በዓል መስቀል፡ ትማሊ 27 መስከረም 2018 ብኣቈጻጽራ ፈረንጂ፡ ብግእዝ ድማ 17 መስከረም 2011 ዓመተምህረት፡ ኣብ መላእ ሃገር ብዝርከቡ ኣመንቲ ክርስትና ብክብ ዝበለ ማዕርግ ተባዒሉ።

ኣብ ከተማ ኣስመራ – ሜዳ ባሕቲመስከረም ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትን ግንባርን፡ ኣብ ኤርትራ ዝመደበሮም ዲፕሎማሰኛታት፡ ከምኡ’ውን ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ምእመናን ተሳቲፎም።

ብዋና ጸሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ዝተመርሑ ለባስያን ጸሎት ድሕሪ ምዕራግ፡ ብሰብ ተራ ኣድባራትን ሊቃውንትን ምስልጣን ተመሪሑን፡ ብዝተመደቡ ሊቃውንቲ ሽብሸባ ተኻዪዱን።

ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ ኣብ ዘስመዕዎ መልእኽቲ፡ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል መስቀል፡ ድሕሪ ስምምዕ ዕርቀ-ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝበዓል ዘሎ ናይ ፈለማ በዓል መስቀል ብምዃኑ – ፍሉይ ትርጒምን ድምቀትን ከምዘለዎ ገሊጾም።

ሓላፊ ስብከተ-ወንጌል መምህር ስምኦን በየነ፡ ናይ ሓድነትን ፍቕርን፡ ናይ ምክብባርን ይቕሬታን በዓል ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ህይወቶም ዝበጀዉ ሰማእታት ‘ክብርን ምስጋናን ይዂኖም’ ኢሎም።

ተሳተፍቲ፡ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል መስቀል፡ ሰላምን ፍቕርን ኣብ ዝሰፍነሉ ዘሎ እዋን ይበዓል ብምህላው ዝተሰምዖም ሓጐስ ገሊጾም። ህዝቢ፡ ሰላሙ ክዕቅብን ከም ቀደሙ ብፍቕርን ሓድነትን ክመላለስን ድማ ተላብዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ብጹእ ኣቡነ ሉቃስ፡ ብላዕለዎት መራሕቲ ሃይማኖት ተሰንዮም ነቲ ኣብ ማእከል ሜዳ ባሕቲመስከረም ዝተዳለወ ዳሜራ ብኣርባዕተ ማእዝን ድሕሪ ምብራኽ፡ ምስ ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ሜጀር ጀነራል ሮሞዳን ዑስማን ኣውልያይ ብሓባር ወሊዖምዎ።

እቲ በዓል፡ ካብ ዝተፈላለያ ኣብያተክርስትያን ዝመጹ መንእሰያት ቤት-ትምህርቲ ሰንበት ብዘቕረብዎ፡ መንፈሳዊ ዜማታትን ካልእ መሰናድኦታት ደሚቑ ነይሩ።

Categories