ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ንግድን ካልእ ዓውድን ብውልቅን ብጉጅለን ዝተዋፈሩ ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት (ሓ.ስ.ኲ)፡ ነብሶም ናብ ዝኽእሉሉ ደረጃ ይሰጋገሩ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ብማሕበር ዝተራሕወሎም ናይ ምጥያስን ልቓሕን ዕድል ብዝግባእ ተጠቒሞም ዓጸፋ ይሰርሑ ከምዘለዉ ዝሓበሩ’ቶም ስንኩላን፡ ሳላ ተጊሆም ዝሰርሑ ኣብ ትስፍው መድረኽ ከምዝበጽሑ ኣብሪሆም።

ኣብ መጻኢ ጥርናፈኦምን ውህደቶምን ኣሐዪሎም ኣበርቲዖም ክዓዩ ምዃኖም ብምርግጋጽ ድማ፡ ኣብ ድልዱል ባይታ ረጊጾም ንከባቢኦም ኣብነት ለውጢ ክኾኑ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

ሓላፊ ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ፡ ኣቶ ዳዊት ገብረክርስቶስ፡ ካብ ዝምስረት 25 ዓመታት ዝገበረ ማሕበር፡ ቀንዲ ዕላማኡ ንስንኩላን ብስራሕ ዝሓሸ ናብራ ብምፍጣር፡ ካብ ተጸባይነት ንምግልጋል ምዃኑ፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ድማ ደሓን ሰጒሙ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ነብሶም ንክኽእሉ ዝተተለሙ መደባት መብዛሕትኦም ኣማእዘንትን ደፋእትን ከምዝነበሩ ጠቒሱ ድማ፡ ንኣባላት ማሕበር ዝወሃብ ስልጠናታትን ዝግበር ምክትታልን ኣዝዩ ሓጋዚ ተራ ከምዘለዎ ገሊጹ።

Categories