ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ትማሊ 28 መስከረም 2018 ቅድሚ ቐትሪ፡ ኣብ ህልዊ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ዞባና ዝቐንዐ ኣኼባ ኣካዪዱ።

ኣብቲ ኣኼባ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ዞባና ተኸሲቱ ንዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ምዕባለታትን ምስኡ ተኣሳሲሩ ኣብ ምብግጋስ ዝርከብ ጥሙር ስትራተጂካዊ መደባት ሽርክነትን፡ ብኡ መንጽር ኣብ ዝቕጽል ሰለስተ ኣዋርሕን ክንዮኡን ብነፍሲ-ወከፍ ጽላት ክትግበር ዘለዎ ዕማማትን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ዞባና ን80 ዓመታት ዝኣክል፡ ንግሎባዊ ስትራተጂ ዓበይቲ ሓይልታት ከገልግል ብዝተሓርየ ፖሊሲታት፡ ኣብ ነዊሕ ኲናት፡ ቀጻሊ ግጭታትን ፖለቲካዊን ቁጠባዊን ቅልውላዋትን ተሸሚሙ፡ ገዚፍ ዕንወት ከምዝወረዶ ብምዝካር መግለጺኡ ዝጀመረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ምስ ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ምዕባለታት ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝመጸ ለውጢ፡ ዞባና ነቲ መድረኽ’ቲ ሰጊሩ፡ ናብ ዝተፈልየ ሓድሽ መዋእል ይኣቱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ዞባዊ ሽርክነት ኣብዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ ኣዕኑድ መትከላት፦

1) ልኡላውነት ሓድሕድ ብምክብባር ብሰላም ብሓባር ምንባር፡

2) ንሓባራዊ ረብሓታት ዘገልግል ናይ ምትሕብባር መቓን ምንጻር፡

3) ንኣሉታዊ ተራ ግዳማዊ ምትእትታው ዘይዕድም ሽርክነት ምምስራት፡

4) ክንዮ ክልተኣዊ ዝምድናታት ዝዝርጋሕ ሰላማዊን ርጉእን ጎዶቦ ንምውሓስ ብሓባር ምስራሕ፡

5) ክልተኣዊ ጸጋታት ብምጉስጓስን ምትሕብባርን ድምር ዓቕሚ (Synergy) ብምፍጣር ዞባዊን ዓለማዊን ጽልዋኡ ምዕዛዝ . . . ከምዝምርኰስ ደጊሙ ኣነጺሩ።

እዚ ዞባዊ ጎዶቦን ሽርክነትን’ዚ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሃገራት ተፋሰስ ኒል፡ ቀይሕ ባሕሪን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን እውን ዘጠቓልል እዩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፡ ዞባዊ ሽርክነት፡ ሓባራዊ ፖለቲካዊን ድሕነታዊን መደባት እንተላይ ስኒት ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ከምዘድልዮ ብምንጻር፡ ኣብዚ ዝመጽእ ሰለስተ ኣዋርሕ ንድፊታት ሽክርነታዊ መደባት ልምዓት ተጻፊፉ ክውዳእ ኣብ ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕ ኣስፊሑ ዘትዩ። ኣብቲ ኣኼባ ከምእተገልጸ፡ ብክልተኣዊን ዞባዊን መልክዓት፡ ትሕተ-ቅርጺ ወደባት ባጽዕን ዓሰብን ካልኦት ማርሳታትን ንምምሕያሽ፡ ምስኡ ተኣሳሲሩ ቀረብ ጸዓት፡ ማይ፡ ኣባይቲ፡ መንገዲታት፡ ዕረያ መራኽብን ካልእ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንምምዕባል፣ ዞባውያን ስትራተጂያውያን መስመራት ንምሕዳስን ምስፋሕን፣ ደረጃኡ ዝሓለወ – ኣብ ልምዓት ናይ’ዚ ዞባ ድርኺት ክገብር ዝኽእል መዓልቦ ነፈርቲ፡ ንግዳዊን ኢንዱስትሪያዊን ዞባታት ንምልማዕ፣ ብቕዓት ፋይናንስያዊ ትካላት ክብ ንምባል፣ ማዕድናዊን ባሕራዊን ጸጋታት ንምምዝማዝ ብዝምልከት ውዱእ ውጥናት ተዳልዩ ክቕርብ እዩ። ምውላ ናይዚ ውጥናት’ዚ ድማ ኣብ ውሽጣዊ ዓቕሚን ደገፍ መሻርኽቲ ሃገራትን ትካላትን ዝምርኰሰ ክኸውን’ዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገር ብሃገር ንዘሎ ውሽጣዊ ኩነታትን ገና ክስገር ዘለዎ ብድሆታትን መጻኢ ተኽእሎታትን ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ነዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሓድሽ ምዕባለታት ንድሕሪት ክመልስ ዝህቅን ዝተወርሰ ውሽጣዊ ጸገማት ኮነ ናይ ግዳም ኣሉታዊ ጽልዋታት፡ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ሓቢርካ ብምግጣም ዝሓለፈ ታሪኽ ዘይድገመሉ ኩነት ንምፍጣር ውሁድን ሓያልን ጻዕሪ ምክያድ ከምዘድሊ ኣስሚርሉ።

ዝሓለፈ ብድሆታት ዘውረዶ ሃስያን ክሳራን ቀሊል እኳ እንተዘይነበረ፡ “መኪትናዮ ብዓወት ወጺእና ኢና” ዝበለ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብመንጽሩ እዚ እንኣትዎ ዘለና ሓድሽ መዋእል፡ ብዘይ ስራሕ ሒዝዎ ዝመጽእ ማና ስለዘየለ፡ እቲ ግዜ ዘዛኒ ከምዘይኮነ፡ እኳ ድኣ ከቢድ ናይ ስራሕን ምጉያይን መድረኽ ምዃኑ ኣዘኻኺሩ።

ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ ነዚ ሓድሽ መድረኽ ብኣድማዕነት ናብ ረብሓ ህዝቢን ሃገርን ንምውዓሉ፡ ብቐንዱ ኣብ ምሕያል ዘቤታዊ ዓቕሚን ብቕዓትን ኣተኲሩ ኣስፊሑ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ንፍርቂ መዓልቲ ዘካየዶ ኣኼባ ዛዚሙ።

Categories