ኣብ ዛውል – ንኡስ ዞባ ድባርዋ ብ1.2 ሚልዮን ናቕፋ ዝተተግበረ ፕሮጀክት ቀረብ ማይ፡ ብ23 መስከረም ተመሪቑ።

እቲ ፕሮጀክት፡ 43 ሜተር ዝዕምቈታ ዒላ፡ 3 ኪሎ-ሜተር ዝንውሓቱ መስመር ማይ፡ 4 ነቑጣታት መዐደሊ ማይ፡ ባስካን ናይ ቦጣት መዐደሊ ነቑጣን፡ ከምኡ’ውን ንጀነሬተር ዝኸውን ገዛ ዘጠቓለለ እዩ።

እዚ ብምውህሃድ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ዝርከባ ትካላት መንግስትን ነበርቲ ዛውልን ዝተሰላሰለ ፕሮጀክት፡ ንዝጸንሐ ጸገም ነባሪ ፍታሕ ዘምጽእ ምዃኑ፡ ነቲ ስራሕ ዝመርሑን ዝተኸታተሉን ክኢላታት ሓቢሮም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት ምምራቕ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ድባርዋ፡ ኣቶ ፍረወንጌል ተኽለሃይማኖት፡ ነበርቲ ዛውል ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዞም ብሃንቀውታ ክጽበይዎ ዝጸንሑ ፕሮጀክት ተግባራዊ ብምዃኑ፡ ዮሃና! ድሕሪ ምባል፡ ነበርቲ ንውሕስነት’ቲ ፕሮጀክት ናይ ምሕደራን ሓለዋን ኣገባባት ከተኣታትዉ ኣዘኻኺሩ።

ነበርቲ ብወገኖም፡ ነቲ ስራሕ ንምዕዋት ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት መንግስቲ ድሕሪ ምምስጋን፡ ካብኣቶም ዝሕተት ከማልኡ ቅሩባት ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Categories