ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኣብ ጠንቂን ሳዕቤናትን፡ ዝመሓላለፈሉ መንገድታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሜላታት ምክልኻል ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ድማ ብፍላይ፡ ክብ ንምባል ዝዓለመ ኣስተምህሮታትን፡ ኣብ ምክልኻል ገበን ዘተኰረ ሰሚናራትን ይወሃብ ኣሎ።

ብ23 መስከረም ኣብ ዝተኻየደ፡ ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ኣርባዕተ-ኣስመራ፡ ኣኽርያ፡ ገጀረት፡ ጐዳይፍ፡ ቲራቮሎን ሰምበልን ዝተሳተፍዎ ጥዕናዊ ኣስተምህሮ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ዶክተር ተስፋይ ሰለሙን፡ እቲ ቀንዲ ዕላማ ጥዕናዊ ንቕሓት ብምስራጽ ጥዕና ዜጋታት ንምውሓስ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብዚ ጉዳይ’ዚ፡ ተራ መሻርኽቲን መራሕቲ ሃይማኖትን ሃገራውያን ማሕበራትን ክዓዝዝ ድማ ጸዊዑ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣዛዚት 3ይ መደበር ፖሊስ ካፒተን ሰምበላዊት ረዳእ፡ ምሕያል ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ቀንዲ ረቛሒ ንምክልኻል ገበናትን በደላትን ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ኣብ ዕለታዊ ንጥፈታቱ ንቚሕን ትኲርን ክኸውን ተላብያ።

Categories