ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ ኮም ዝተሰረተ ጥዕናዊ ጐስጓሳት ብምክያድ፡ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ድማ ብፍላይ ንምቊጽጻር ክስራሓሉ ምዃኑ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣቶ ቃልኣብ ተስፋስላሰ ሓቢሩ።

ብ20ን 21ን መስከረም ኣብ ከተማ ድባርዋ ኣብ ዝተኻየደ – ሓለፍቲ ኣካላት ምምሕዳር፡ ጨናፍር ሚኒስትሪታት፡ ኣባላት ባይቶን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተሳተፍዎ ርክብ፡ ኣቶ ቃልኣብ፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ኣብ ለበዳዊ ሕማማት ክብ ዘብል ኣስተምህሮታት ብዝተወደበ መልክዕ ንምክያድ፡ መደባት ክስራዕ ምዃኑ ገሊጹ።

ብፍላይ ማይ-ወለድ ሕማማት ካብቶም ልዑል ኣተኲሮን ጥንቃቐን ዘድልዮም ምዃኖም ብምጥቃስ ድማ፡ ንጽህና ከባቢን ምንጪ ማይን ንምርግጋጽ ቅልጡፍ ስጉምትታት ክውሰድ ኣዘኻኺሩ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ደቡብ ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሽድሽተ ኣዋርሕ ኣብዚ መዳይ’ዚ ኣድማዒ ስራሕ ከምእተኻየደ ብምሕባር፡ ብልሃርዝያን ዓሶን ንምቊጽጻር ዝተኻየደ ናይ ምፍዋስን ምክልኻልን ወፍርታት ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ኣብሪሁ።

ካብ እንስሳ ናብ ሰብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ዘይግቡእ ኣጠቓቕማ ናሙሱያን ንምእራም ቀጻሊ ጐስጓስ ከምዘድሊ ዘዘኻኸረ ዶክተር ኣማኑኤል፡ ጻዕቂ ምንቅስቓስ ንተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ከጋድዶ ስለዝኽእል፡ ዓቢ ግምት ተዋሂቡ ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ኣብ 12 ንኡሳን ዞባታት ዝተዘርጋሓ፡ ካብ መደበር ጥዕና ክሳብ ሆስፒታል ብጠቕላላ 65 ትካላት ጥዕና ኣለዋ።

Categories