ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ብዝነበረ ህጡር ክራማትን ጻዕሪ ሓረስቶትን፡ ኣብ 10 ሽሕ ሄክታር ዝተዘርአ ብልቱግ፡ መሸላን ስምስምን ኣብ ዘተኣማምን ደረጃ ከምዝበጽሐ፡ ብ20 መስከረም ኰለላ ዘካየዱ ክኢላታት ሕርሻን ኣባላት ምምሕዳርን ሓቢሮም።

ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዳሴ፡ ዓናጉሉ፡ ፎደ፡ ኩሉኩ፡ ኮና፡ ከርካሻ፡ ሶሶና፡ ሲሲማ፡ ኣምታን ኣሸቲን ድሕሪ ዝተኻየደ ዑደት፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣውረልዮ ጃኮሚኖ፡ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ፡ ውጽኢት ናይቲ ኣቐዲሙ ብምውህሃድ ሰብ ሞያ ሕርሻን ሓረስቶትን ዝተኻየደ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሓረስቶት ምህርቶምን ተረፍ ምህርቶምን ብግቡእ ክሳብ ዝእከብ፡ ዕቱብ ምክትታል ክገብሩን እኽልን ሳዕርን ናይ ምኽዛን ባህሊ ከማዕብሉን ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ ኣሃዱ ቊጠባዊ ልምዓት ኣቶ ሄኖክ ጸጋይ እውን፡ ብዝተገብረ ኰለላ፡ ዝበዝሐ ዘራእቲ ኣብ ደረጃ ምሽዋት ከምዝበጽሐ ክረጋገጽ ከምእተኻእለ ብምሕባር፡ ሓረስቶት – ምህርቶም ኣብ ቆፎኡ ክሳብ ዝኣቱ ብዝለዓለ ክቕጽልዎን ግቡእ ሓለዋ ክገብሩሉን ተላብዩ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ኣቶ መብራህቶም ገብረሂወት ድማ፡ ኣቐዲሙ ዝተኻየደ ሰፊሕ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከምኡ’ውን ንሓረስቶት ዝተዋህበ ስልጠና፡ ምስ’ቲ ኣስታት 550 ሚሊ-ሜተር ዝናብ ተደሚሩ ጽቡቕ ውጽኢት ተረኺብዎ ስለዘሎ፡ ሓረስቶት ብዝለዓለ ክደፍኡሉ ጸዊዑ።

ሓረስቶት ብወገኖም፡ ዘራእቶም በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ፡ ውጽኢት ሰናይ ክራማትን ዝቐሰምዎ ሞያዊ ምኽርን ምዃኑ ጠቒሶም፡ ኣብ ቀጻሊ መሬቶም ብግቡእ ኣደላዲሎም እቶታውነቶም ንምዕባይ ኣበርቲዖም ክሰርሑ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

Categories