ምህናጽ ሃገራዊ መንነት፡ ሓደ ወለዶ ዝጽዕረሉ – እቲ ካልእ ዝዛነየሉ ዘይኮነ፡ ነፍሲ-ወከፍ ወለዶ ክዂስኲሶን ክሕብሕቦን ዝግባእ ጉዳይ ምዃኑ፡ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኤርትራ – ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ ገሊጹ።

ንኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ብ23 መስከረም ኣብ ዘካየዶ ሰሚናር፡ ጀነራል ፊሊጶስ፡ ብዋጋ ብሉጻት ዜጋታት ዝተረኽበት ናጽነት ንምዕቃብን ልኡላውነት ንምውሕስን፡ ግቡእ ትምህርትን ሞያን ዝዓጠቐ፡ ንኹሉ እንተታት ብንቕሓት ዝምክት፡ ብናይ ሓባር ኣተሓሳስባ ዝምእዘን ብቑዕ ዜጋ ከምዘድሊ ኣገንዚቡ።

ውሑስ ቀጻልነት ሃገርን ህዝብን ንምርግጋጽ፡ ኣብ ንጹር ራኢ ዝኣምንን ሓድነት ዝሕላገቱን – ንቑሕ፡ ስልጡን ኣተሓሳስባ ዝውንን፡ ከምኡ’ውን ፍልጠት ዝመለለዪኡ ተባዕ መንእሰይ፡ ምስ ሓያል ቊጠባን ሰራዊትን ምህላው እቲ እንኮ ምርጫ ምንባር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

“ራኢ ሃገር ንምስማር፡ ድልዱል ፖለቲካዊ፡ ወተሃደራዊ፡ ቊጠባዊ፡ ዲፕሎማስያውን ባህላውን ዕርድታት መኸተ ምህናጽ የድሊ” ዝበለ ጀነራል ፊሊጶስ፡ መንእሰያት – ረጊኦም ሃገራዊ ዕማሞም ከየሰላስሉ ንዝካየድ በበይኑ ዝሕብሩ ሽርሒታት፡ ብንቕሓት ክምክትዎ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

መንእሰያት፡ ኣብ ሃገራዊ መደባት ልምዓትን መኸተን ኣድማዒ ተራ ክህልዎም፡ ድኻማት ክእለዩ፡ ብልጫታት ክዕቀቡ፡ ዕድላት ክምዝመዙ፡ ስግኣታት ብንቕሓት ክምከቱ ከምዝግባእ ድማ ኣገንዚቡ።

ምሕያል ውዳበ መንእሰያት ምሕያል ህዝባዊ ግንባር፡ ምሕያል ህዝባዊ ግንባር ከኣ ምርግጋጽ ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ንቕሓትን ውዳበን መንእሰያት ብምሕያል – ባህግን ራኢን ህዝብና ምግሃድ ናይ ነፍሲወከፍ ዜጋ መድረኻዊ ሓላፍነት ምዃኑ ኣረዲኡ።

ጀነራል ፊሊጶስ፡ ሳላ ንረብሓ ህዝቡ ዝስዋእን ሕድሪ ሰማእታቱ ብግብሪ ዝምልስን መንእሰይ፡ ኤርትራ – ልኡላውነታ ተኸቢሩ፡ ህዝባ ብሓበን ዝነብረላ ሃገር ክትከውን ከምዝበቕዐት ብምጥቃስ፡ ጉዕዞ ምኽባር ልኡላውነትን ምርግጋጽ ቊጠባዊ ሓርነትን ግዳ – ሓንሳብ ኣረጋጊጽካዮ ደቂስካ እትሓድረሉ ጉዳይ ስለዘይኮነ፡ ወለዶታት ከም ባህሊ ክወርስዎ ዝግባእ መስርሕ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

Categories