ሃገራዊ ማሕበር ደቂ-ኣንስትዮ ኤርትራ ጨንፈር ሆላንድ፡ ብ15 መስከረም ኣብ ከተማ ሮተርዳም ጉባኤ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ጉባኤ፡ ኣምባሳደር ሃገረ ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣቶ ነጋሲ ካሳ፡ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ኣቶ ሰለሙን መሓሪ፡ ከምኡ’ውን ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ ወይዘሮ ንግስቲ ጸጋይን ወከልቲ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ተሳቲፎም ነይሮም።

ኣምባሳደር ነጋሲ ካሳ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ጉባኤ፡ ዞባና ካብ ናይ ኣይሰላምኣይኲናት ሃዋህው ናብ ናይ ሰላምን ምትሕግጋዝን ዞባ ኣብ ዝሰጋገረሉ ዘሎ እዋን ይካየድ ብምህላዉ “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፡ ሃማደኤ ንፍርቂ ሕብረተሰብ ዝሓቊፍ ስለዝኾነ፡ ንቕሓት ኣባላቱ ብምብራኽ ኣብ’ዚ እንኣትዎ ዘሎና መድረኽ መሳርዑ ኣደልዲሉ ዓጸፋ ክሰርሕ ትጽቢት ከምዝግበር ኣገንዚቡ።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ዞባ ኤውሮጳ ወይዘሮ ንግስቲ ጸጋይ ብግደኣ፡ ጨንፈር ዓወታቱን ብድሆታቱን ብዝግባእ ገምጊሙ ንዝበለጸ ዕዮ ክብገስ፡ እቲ ጉባኤ ከም መንጠሪ ባይታ ከገልግል ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ብንኡሳን ጨናፍር ሃማደኤ ኣብ ከተማታት ሮተርዳም፡ ኣምስተርዳምን ኡትረኽትን ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ፡ ንዝመጽእ ሰለስተ ዓመታት ነቲ ጨንፈር እትመርሕ ኣካያዲት ኣካል ተመሪጻ።

Categories