ነበርቲ ከተማ ሓጋዝ፡ ኣብ ሕጊ ዘለዎም ኣፍልጦ ብምዕባይ ገበናትን በደልትን ንምቊጽጽር ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ ኣበርክቶኦም ከዕዝዙ ዝሕግዝ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ’ቲ ንኡስ ዞባ ተለንተ ዛይድ ተስፋዝጊ፡ ምሕያል ዝምድና ህዝብን ፖሊስን፡ ቀንዲ ረቛሒ ንምክልኻል ገበናትን በደላትን ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ኣብ ኣተሓሕዛ ተመሃሮን መንእሰያትን፡ ወለዲ ኣብ ኣተኣላለያ ደቆም ክኽተልዎ ኣብ ዝግባእ ሜላታትን ምስኡ ኣብ ዝዛመዱ ኣርእስትታን፡ ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ።

ኣካያዲ ስራሕ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ኣቶ ተኽለሃይማኖት ሙሳኤል ድማ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ዘሰክፍ ተርእዮ ገበናት’ኳ እንተዘየለ፡ ነቲ ሓሓሊፉ ዝርአ ንምግታእ፡ ህዝቢ ብንቕሓት ክዋሳእ ጸዊዑ።

ዝተዋህቦም ኣስተምህሮ ኣፍልጦኦም ኣብ ምብራኽ ዓቢ ግደ ከምዘለዎ ዝጠቐሱ ተሳተፍቲ፡ ተመሳሳሊ ሰሚናራት ንመንእሰያት ክውደብ ሓቲቶም።

ዝሓለፈ ሰሙን እውን፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ፋካይ – ንኡስ ዞባ ሓጋዝ ተመሳሳሊ ኣስተምህሮ ከምእተዋህበ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

Categories