ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን፡ ምስ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ተወሃሂዱ፡ ኣብ መደባት ባህልን ስፖርትን ንዝነጥፉ መንእሰያት፡ ኣብ ምክልኻል ተመሓለለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ፡ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ድማ ብፍላይ ዘተኰረ ኣስተምህሮኣዊ ሰሚናር ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ብ18 መስከረም ዝተዋህበ ኣስተምህሮ፡ ንህልው ኩነታት መልከፍቲ ተመሓላለፍቲ ሕማማትን ንምክልኻሉ ብደረጃ ሃገርን ዓለምን ዝካየድ ዘሎ ውሁድ ጻዕርታትን ውጽኢቱን ብዝምልከት፡ ብስታስቲካዊ ሓበሬታን ብቪድዮን ዝተሰነየ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል፡ ኣወሃሃዲ መደብ ኣሃዱ ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣቶ መሓሪ ወልደሚካኤል፡ ኣብ ኤርትራ ሳላ’ቲ ኣብ ምብራኽ ንቕሓት ሕብረተሰብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ መልከፍቲ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ድማ ብቐንዱ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ከምዝርከብ ሓቢሩ። ቀጻልነቱ ክወሓስን ኣብ 2030 መጠን ሓድሽ መልከፍቲን ተነጽሎ ምስ’ቲ ሕማም ዝነብሩ ሰባትን ብ90 ሚእታዊት ንምንካይ – ብደረጃ ዓለም ንዝተታሕዘ ውጥን ንምዕዋት፡ ቀጻሊ ስራሕን ጐስጓስን ምክያድ ኣገዳሲ ምዃኑ ድማ ኣገንዚቡ።

መንእሰያት ኣብ ክሊ ዕድመ ኣፍራይነት ዝርከቡ ኣካል ሕበረተሰብ ከም ምዃኖም መጠን፡ ሃገራዊ መደብ ምቊጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምዕዋት፡ ኣፍልጦኦምን ንቕሓቶምን ከዕብዩን ናይ ባህሪ ለውጢ ብምምጻእ ኣብነታዊ ተራኦም ክጻወቱን እውን ጸዊዑ።

Categories