ኤርትራ፡ ብ16 መስከረም ኣብ ከተማ ቭየና – ኦስትሪያ ኣብ ዝተቓንዐ ‘መድረኽ ደቂ-ኣንስትዮ ቀርኒ ኣፍሪቃ’ ተሳቲፋ።

እቲ ብቐንዱ ኣብ ‘ምሕያል ደቂኣንስትዮ’ ዘተኰረ መድረኽ፡ ብኣድማሳዊ ፈደረሽን ሰላም ናይ ኦስትሪያን ተበግሶ ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ምስ ቤት-ጽሕፈት ቀዋሚ ተልእኾ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ብምትሕብባር ዝተወደበ እዩ።

ኣብ’ቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዘተ፡ ዲፕሎማሰኛታት፡ ኣውፈርቲ፡ ወከልቲ ትካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ከምኡ’ውን ዕዱማት ኣጋይሽ – ካብ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ግብጽን ኦስትሪያን ከምእተሳተፉ፡ ዝበጽሓና ሓበሬታ የረድእ።

ተዛተይቲ፡ ብዛዕባ ተመኲሮ ደቂኣንስትዮ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን መብርሂ ኣቕሪበንን ሓሳባት ተለዋዊጠንን።

Categories