ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ ጠንቂ፡ ሳዕቤናትን ኣገባብ ምክልኻልን ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብሓፈሻ ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስ ድማ ብፍላይ ዘሎ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ክብ ንምባል ዝዓለመ ኣስተምህሮ፡ ብ16 መስከረም ተዋሂቡ።

ኣብ’ቲ ልዕሊ 8 ሽሕ ነበርቲ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ገዛ ባንዳ ዝተሳተፍዎ ኣስተምህሮ፡ ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ማእከል ሓላፊ ምቊጽጻር ኤች.ኣይ.ቪ/ኤይድስን ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ካልኦት ሕማማትን ኣቶ መሓሪ ወልደሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት ልዕሊ 35 ሚልዮን ሰባት ብሰንኪ’ቲ ሕማም ክሞቱ ከለዉ፡ ኣስታት 37 ሚልዮን ድማ ምስ’ቲ ቫይረስ ከምዝነብሩ ሓቢሩ።

ኣብ 2017 መጠን ሓድሽ መልከፍቲ 1.8 ሚልዮን ከምዝነበረ፡ እዚ ድማ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ዝገለጸ ኣቶ መሓሪ፡ ኣብ ሃገርና ግዳ መጠን መልከፍቲ ድሓን ምዃኑ፡ ንምሉእ ዓወት ከኣ ብልዑል ንቕሓት ዝተሰነየ ውሁድ ስራሕ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ። ተራ መሻርኽቲ ብሓፈሻ፡ ናይ መራሕቲ ሃይማኖትን ሃገራውያን ማሕበራትን ድማ ብፍላይ ክዓዝዝ ከኣ ጸዊዑ።

ተመሳሳሊ ጐስጓሳት፡ ኣብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ማእከል ክቕጽል ምዃኑ፡ ካብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

Categories