ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ኣብ ሽቱትጋርት – ጀርመን ካብ ዝርከብ ጨንፈሩ፡ ዝተፈላለየ ናውቲ ብሓገዝ ረኺቡ።

እቲ ብ18 መስከረም ኣብ መርሓኖ ንዝርከብ መኽዘን ናይ’ቲ ማሕበር ዝተረከበ ናውቲ፡ ናይ ሕክምና ዓራውትን ፍርናሻትን፡ ዓረብያታት ስንኩላን ምስ መቀያየሪ ኣቚሑተን፡ መራዂስ፡ ሕክምናዊ ናውቲ፡ ንዓይኒ-ምድሪ ዘገልግል ሰድያታት፡ መሳርሒ ጽርበት፡ መንጸር-ዓይኒ፡ ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ስንኩላን ዝሕግዝ መሳርሒታት፡ ከምኡ’ውን ናውቲ ትምህርቲ ዘጠቓለለ እዩ።

ኣቦ-መንበር ማሕበር መምህር ገብረብርሃን ኢያሱ፡ ንስንኩላን እቲ ብቐዳምነት ዘድልዮም – ኣብ ዕለታዊ ምንቅስቓሳቶምን ማሕበራዊ ንጥፈታቶምን ዝሕግዞም ናውቲ ምዃኑ፡ እቲ ኣቐዲሙ ክግበር ዝጸንሐ ተመሳሳሊ ደገፍ ድማ ጽቡቕ ውጽኢት ከምዝሃበ ብምሕባር፡ ንጨንፈር ሽቱትጋርት ስለ’ቲ ቀጻሊ ኣበርክቶኡ ኣመስጊኑ።

ኣብ 1999 ዝተመስረተ ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ ኣብ ሽቱትጋርት፡ ንሓርበኛታት ስንኩላን ኣብ ምድጋፍ ዝውዕል፡ ቀጻሊ ሓገዝ ከምዝገብር፡ ካብ ኣደ ማሕበር ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር።

***

Categories