ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራትን ህዝብታተንን ጥቡቕ ናይ ጂኦግራፍ፡ ታሪኽ፡ ባህልን ሃይማኖትን፡ ምትእስሳር ከምዘሎ መሰረት ብምግባር፣

ናይ ሓድሕዶም ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ብምኽባር፣

ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽን ታሪኻዊ ምትእስሳሮም ንምድራዕን ካብ ዘለዎም ሃረርታ ብምብጋስ፣

ኣብ ተመላላእነትን ውህደትን ዝተመርኰሰ ኵለንትናዊ ምትሕብባር ንምህናጽ ቆሪጾም ብምብጋስ፣

ንዞባዊን ዓለማዊን ሰላምን ጸጥታን ንጡፍ ኣበርክቶ ንምግባር ብምሕላን፣

ብ9 ሓምለ 2018 ኣብ ኣስመራ ንዝፈረሙዎ ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ዳግም ብምርግጋጽ፣

ንመትከላትን ዕላማታትን ቻርተር ሕቡራት ሃገራት ዘለዎም ተኣማንነት ዳግም ብምርግጋጽ፣

ክልተኦም ወገናት በዚ ዝስዕብ ተሰማሚዖም ኣለዉ፦

ዓንቀጽ ሓደ

ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝጸንሐ ኵነተ-ኲናት ኣኽቲሙ ኣሎ፡ ሓድሽ መዋእል ሰላምን ምሕዝነትን ኵለንትናዊ ምትሕብባርን ተራሕዩ ኣሎ።

ዓንቀጽ ክልተ

ክልተአን ሃገራት ኣብ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታዊ፡ ምክልኻላዊ፡ ቍጠባዊ፡ ንግዳዊ፡ ወፍራዊ፡ ባህላዊን ማሕበራዊን ዓውድታት ኣብ ተመላላእነትን ውህደትን ዝተመርኰሰ ኵለንትናዊ ምትሕብባር ከማዕብላ እየን።

ዓንቀጽ ሰለስተ

ክልተአን ሃገራት ሓባራዊ ፕሮጀክትታት ወፍሪ፡ እንተላይ ሓባራዊ ፍሉይ ቍጠባዊ ዞናታት ከማዕብላ እየን።

ዓንቀጽ ኣርባዕተ

ክልተአን ሃገራት ንውሳነ ኮሚሽን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከተግብራኦ እየን።

ዓንቀጽ ሓሙሽተ

ክልተአን ሃገራት ዞባዊን ኣህጉራዊን ሰላምን ጸጥታን ምትሕብባርን ንምውሓስ ክጽዕታ እየን።

ዓንቀጽ ሽዱሽተ

ክልተአን ሃገራት ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጋጋትን ስምምዓትን፣ ግብረ-ሽበራ ከምኡ’ውን ንግዲ ደቂ-ሰብን ኣጽዋርን ዕጸ-ፋርስን ክምክታ እየን።

ዓንቀጽ ሸውዓተ

ክልተአን ሃገራት ንትግባረ እዚ ስምምዕ ዝኣልን ዝከታተልን ላዕለዋይ ሓባራዊ ኮሚተ፡ ከከም ኣድላዪነቱ ድማ ንኡሳን ኮሚተታት ከቝማ እየን።

እዚ ስምምዕ’ዚ ብ16 መስከረም 2018 ኣብ ጅዳ – ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ብኽልተ መበቆላዊ ቅዳሓት፣ ብቛንቋታት ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ዓረብን እንግሊዝን ተፈሪሙ። ኣብ ትርጕም ዝኾነ ፍልልይ ምስ ዝህሉ፡ እቲ ናይ እንግሊዝ ረታዒ ይኸውን።

16 መስከረም 2018 ዓ.ም. ጅዳ – ስዑዲ ዓረብ

Categories