ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ዓሊ ማሕሙድ፡ ምስ ነበርቲ ንኡሳን ዞባታት ኣስማጥን ሓልሓልን ተራኺቡ፡ ብዛዕባ ምዕባለታት ሰላም፡ ኩነታት ሕርሻ፡ ምንጪ ዝስተ ማይን ካልእ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ካብ 15 ክሳብ 17 መስከረም ዝገበሮ ዑደት፡ ኣቶ ዓሊ፡ ሓረስቶት ግራውቶም ብግቡእ ክከታተሉ፡ ምስ ሰብ-ሞያ ሕርሻ ዘለዎም ናይ ምውህሃድን ምልውዋጥ ሓበሬታን ዝምድናታት ከሐይሉ፡ ኣመሓደርቲ ከባቢታት ከኣ ብዛዕባ ዘይተሓርሰ መሬት ናብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባኦም ጽጹይ ሓበሬታ ከመሓላልፉ፡ ሓለፍቲን ሞያውያንን ሕርሻ ድማ ኩነታት ዘራእቲ ብቐረባ ብምክትታል ቅኑዕን እኹልን ሓበሬታ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ብእዋኑ ክልእኩ ኣተሓሳሲቡ።

ብዘይካ’ዚ ኣቶ ዓሊ፡ ነቲ ኣብ ሩባ ኣስማጥ-ዓዳይ ዝርከብ ምንጭታት ማይን ኩነታቱን ድሕሪ ምዕዛብ፡ ጸገም ዝስተ ማይ’ቲ ከባቢ ቅልጡፍ ፍታሕ ክናድየሉ ብዕቱብ ክስራሕ መምርሒ ስራሕ ሂቡ።

ኣመሓደርቲ ከባብን ሓለፍቲ ልምዓት ማይን፡ እተን ኣብ ወርሒ ግንቦት 2017 ብውሕጅ ዝተደፍና ዒላታት፡ እንኮ ምንጪ ዝስተ ማይ ነበርቲ ኣስነዳ፡ ከምኡ’ውን ተመሃሮ ኣሕዳሪት ቤት-ትምህርቲ ኣስማጥን ተመሃሮ ቤት-ትምህርቲ ጃኒን ብምዃነን፡ ህጹጽ ቈላሕታ ክወሃበን ተላብዮም።

Categories