ሳዋ፡ መንእሰያት – ሓባራዊ ራኢ፡ ባህሪን ርድኢትን ብምምዕባል፡ ዜግነታዊ ሓላፍነት ዝስከሙላ መድረኽ ምውርራስ ምዃናን፡ መንእሰያት ተመሃሮ ንዕድላት ትምህርቲ ብግቡእ ክጥቀሙሉ ከምዝግባእን፡ ሓላፊ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ብሪጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ኣገንዚቡ።

ብሪጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብ16 መስከረም ንኣባላት መበል 32 ዙርያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብ ዘካየዶ – “ሃገራዊ ድሕነትን ምዕባይ ንቕሓት መንእሰያትን” ዘርእስቱ ሰሚናር፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ወፍሪ፡ ንቑሕ ውዳበን ተሳትፎን ከምዘድሊ ኣዘኻኺሩ። ብመትከል ርእሰ-ምርኰሳ ዝሰላሰል ዘሎ መደባት ልምዓትን ዳግመህንጸትን ብቐንዱ ሓላፍነት መንእሰይ ምዃኑ፡ ነዚ ድማ – ብትምህርትን ሞያን ዝበሰለ ዜጋ ስለዝሓትት፡ መንእሰያት ንቕሓቶም ብምብራኽ ንዕብየት ሃገሮም ዓጸፋ ክሰርሑ መድረኽ ዝጠልቦ ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

ሕሉፍ ተመኲሮ ምፍላጥን ምምርማርን፡ እንታይ ገደሰኒ ዘስምዕ ኣተሓሳስባታት ምውጋድ፡ ሓፈሻዊ ፍልጠት ምድላብ፡ ዕድላት፡ ብድሆታትን ስግኣታትን ብዝግባእ ምልላይ፡ ካብ ትሕተ-ሃገራዊ ኣተሓሳስባታት ናጻ ምዃን፡ ከምኡ’ውን ንራህዋን ሽግርን ብሓባርን ብሓድነታዊ ሓይሊን ምግጣም፡ ካብ’ቶም ንሰውራ ኤርትራ ዘዐወቱ ኣካይዳታት ምዃኖም ዝሓበረ ብሪጋዴር ጀነራል ኣብርሃ፡ ህዝቢ ኤርትራ – እልቢ ዘይብሉ መሰናኽላት ሓሊፉን ኩሉ-መዳያዊ መስዋእቲ ከፊሉን ዝጨበጦ ዓወት፡ ህያው መወከሲ ታሪኽ ከምዝኾነ ኣስሚሩሉ።

“ምስጢር ዓወትና፡ ንቑሕን ጥሙርን ጸጋ ህዝብና እዩ” ብምባል ከኣ፡ መንእሰያት፡ ባህሎምን ክብርታቶምን ንኸይወርሱ ዝንዛሕ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ብዝግባእ ተገንዚቦም፡ ንኹላቶም መሰናኽላትን ሽርሕታትን ብፍልጠት ብምምካት፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ሃገር መሪሕ ተራ ከበርክቱ ተላብዩ።

Categories