ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስ ወራስ ዓራት፡ ምክትል ኣቦ-መንበር ባይቶ ሚኒስተራትን ሚኒስተር ምክልኻልን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ኣሚር መሓመድ ቢን ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ዘትዩ።

ትማሊ 17 መስከረም ኣብ ሰዓታት ምሸት ኣብ ጅዳ ኣብ ዝርከብ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ኣሚር መሓመድን፡ ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎ ሓድሽ ዞባዊ ምዕባለታትን ብሰፊሑ ዘትዮም።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤርትራን ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ተረኺቦም ነይሮም።

ንጉስ ስዑድያ ሳልማን ቢንዓብዱልዓዚዝ፡ ብቕድሚ-ትማሊ 16 መስከረም ኣብ ጅዳ ኣብ ዝወደቦ ስነ-ስርዓት ምጽምባል ‘ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን’፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝወሰድዎ ተበግሶ፡ ናይ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ዝለዓለ “ኒሻን ንጉስ ዓብዱልዓዚዝ” ከም ዝሸለሞም ይፍለጥ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ስዑድያ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ፡ ትማሊ 17 መስከረም ምሸት ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

Categories