ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ጅቡቲ እስማዒል ዑመር ገለን፡ ትማሊ 17 መስከረም ኣብ ሰዓታት ምሸት፡ ኣብ ጅዳ – ስዑዲ ዓረብ ተራኺቦም፣ ዝሓለፈ ምዕራፍ ዓጽዮም፣ ኣብ ነባሪ ሕውነት ዝተመስረተ ሓድሽ ምዕራፍ ምትሕግጋዛዊ ዝምድና ክኸፍቱ ተሰማሚዖም።

ክልተኦም መራሕቲ ብተወሳኺ፡ ናብ’ዚ ምዕራፍ ንኽበጽሑ ዓቢ ግደ ንዝነበሮም ንጉስ ሳልማን ቢንዓብዱልዓዚዝን ወራስ ዓራት ስዑድያ መሓመድ ቢን ሳልማንን ኣመስጊኖም።

ድሕሪ’ዚ ርክብ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያ ዓድል ኣልጁቤር ንኽልተአን ሃገራትን መራሕተንን “ዮሃና” ኢሉ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ኣሰይድ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ድማ፡ ኣብ መንጐ ክልተአን ሃገራት ሓድሽ ምዕራፍ ከምዝተኸፍተ ብምግላጽ፡ ንኣበርክቶ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ኣመስጊኖም።

ከም ዝዝከር፡ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማልያን’ውን፡ ዝምድና ኤርትራን ጅቡቲን ናብ ንቡር ንምምላስ ዓቢ እጃም ኣበርኪቶም’ዮም።

ብሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝቖመ ሓባራዊ ኮሚተ፡ ብ6 መስከረም ናብ ጅቡቲ ብምኻድ፡ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ ምርኻቡ ይዝከር።

Categories