ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ሰላም፡ ናይ ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ዝለዓለ “ኒሻን ንጉስ ዓብዱልዓዚዝ” ተሸሊሞም።

ክልቲኦም መራሕቲ ነዚ ሽልማት’ዚ ዝበቕዑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ ኣስመራ ዝኸተምዎ ስምምዕ ሰላም፡ ብሰንበት 16 መስከረም – ንጉስ ስዑድያ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ኣብ ከተማ ጅዳ ኣብ ዝወደቦ ስነስርዓት ኣብ ዝተጸምበለሉ እዩ።

ኣብ’ቲ ብሃገራዊ መዛሙር ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ስዑድያን፡ ከምኡ’ውን ናይ ክብሪ ሰልፊ ዝተሰነየ ስነ-ስርዓት፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ፡ ወራስ ዓራት ንግስነት ስዑዲ-ዓረብን ሚኒስተር ምክልኻልን መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ከምኡ’ውን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ኣህጉራዊ ምትሕግጋዝን ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሼኽ ዓብዱላሂ ቢን ዛይድ ኣልናህያንን ካልኦትን፡ ብወገን ኤርትራ ድማ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዳይረክተር ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ተሳቲፎም ነይሮም።

ድሕሪ’ቲ ናይ ሽልማት ስነስርዓት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ሰነድ “ስምምዕ ሰላም፡ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን” ከምዝኸተሙ፡ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ካብ’ቲ ቦታ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ15 መስከረም እዩ ናብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ ገይሹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ ብዝኸተምዎ ሓሙሽተ ዓንድታት ዘጠቓልል “ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን ኤርትራን ኢትዮጵያን”፡ ነቲ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ናይ ኲናት ሃዋህው መኸተምታ ስለዝገበሩሉ፡ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ካብ ዝሓለፈ 11 መስከረም ንምንቅስቓስ ህዝብን ንብረትን ከምእተራሕወ ይፍለጥ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ ብ24 ሓምለ 2018 እውን፡ ናይ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝለዓለ ሽልማት – “ኒሻን ዛይድ” ከምእተሸለሙ ይፍለጥ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ፡ ንስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዕባለታቱን፡ “ታሪኻዊ” ክብል ገሊጽዎ።

ሚስተር ጉተረሽ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ጅዳ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምጽምባል ስምምዕ ሰላምን ምሽላም መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ድሕሪ ምስታፍ እዩ።

ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያ ዓድል ኣልጁቤር ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ኣብዚ ግጭታት ክራባሕን መመሊሱ ክቕጽልን እንርእየሉ ዘሎና እዋን፡ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ብዕርቀ-ሰላም ክዛዘም ምርኣይ፡ ንዓለምና ኣገዳሲ ትምህርቲ’ዩ” ዝበለ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ንዝወሰድዎ ተባዕ ስጒምቲ ሞጒሱ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ስዑድያ ዓድል ኣልጁቤር ብወገኑ፡ “እዚ ንልቦናን ብቕዓትን መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘርኢ ታሪኻዊ ፍታሕ፡ ኣብ ሰላምን ጸጥታን ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ዝህልዎ ኣበርክቶ ብቐሊል ዝጥመት ኣይኮነን” ድሕሪ ምባል፡ ንዝሰፍሐ ምትሕብባር ከምኡ’ውን ቊጠባዊ ምትእስሳርን ወፍሪን ናይ’ዚ ተኣፋፊ ዞባ ገፊሕ ባብ ከምዘርሑ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

Categories