ዘራእቲ ሃገርና፡ ካብ ሓደጋ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ናጻ ከምዘሎ – ሚኒስትሪ ሕርሻ ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ወርሒ መስከረም ተሓቲማ ዝወጸት – ኣብ ኩነታት ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ እተተኲር ወርሓዊት መጽሔት ከምዘስፈረቶ፡ ኩነታት ዘራእቲ ንምፍላጥ ኣብ ኩለን ዞባታት ብመሰረት ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ሳላ ዝተኻየደ ጐስጓሳትን ዝተወስደ ስጒምትን፡ ቀንዲ ዘራእቲ ካብ ጉድኣት ናይ’ዚ ሓደገኛ ባልዕ ኣብ ጽቡቕ ደረጃ ከምዘሎ ተፈሊጡ።

ኣብ ፈለማ፡ እቲ ባልዕ ኣብ ውሱን ከባቢታት ኣብ ዝተራእየሉ ሻቕሎት ከምዝነበሮም ዝጠቐሱ ሓረስቶት፡ ብመንገዲ ማዕከናት ዜናን ሞያውያን ሕርሻን ንዝተዋህቦም ሓበሬታን ምኽርን ብዝግባእ ስለዝተኸተሉን ስለዘተግበሩን ግዳ፡ ብኣጋ ከጥፍእዎን ዘራእቶም ከውሕሱን ከምዝኸኣሉ ሓቢሮም።

“ኣቐዲሙ ንዝተዘርአ ዓፋፉን ብምሉኡ ምሒና ስለዘቃጸልናዮ፡ ተርእዮ ናይ’ቲ ባልዕ ኣብቂዑ እዩ” ዝበሉ ወሃብቲ ርእይቶ፡ ብደረጃ ዓዲ ዝቘማ ነቲ ኩነታት ብምክትታል ዕለታዊ ጸብጻበን ዘቕርባ ኮሚተታት እውን፡ ኣብዚ መዳይ’ዚ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ይገብራ ከምዘለዋ ገሊጾም።

እታ ብሚኒስትሪ ሕርሻ እትዳሎ ወርሓዊት መጽሔት፡ እቲ ባልዕ – ካብ ህንዲ ናብ ካልእ ከባቢታት ኤስያ ብምስፍሕፋሕ፡ ብፍላይ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይ’ታ ኣህጉር ከቢድ ጉድኣት ከየውርድ ስግኣት ከምዘሎ ብተወሳኺ ኣስፊራ።

Categories