ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ሓረስቶት ምምሕዳር ከባቢ ቡያ፡ ጐድኒ-ጐድኒ’ቲ ስሩዕ ማሕረሶም ብውሱን ዓቕሚ ዘልምዕዎ ዘለዉ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ይረኽቡሉ ከምዘለዉ፡ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ገሊጾም።

እዞም ‘ደራውሊ’ ኣብ ዝተባህለት ዓዲ ዝነብሩ ሓረስቶት፡ ኣብ ከባቢኦም ብዝርከብ ዓመት ምሉእ ዝዛሪ ሩባ ተተባቢዖም፡ ብኣሕምልቲ ዝፈለምዎ ልምዓት ጀራዲን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ባናና፡ ፓፓዮን ኣራንሽን ወሲኾምሉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ሓረስቶት፡ ሞያዊ ምኽርን መድሃኒትን ንምርካብ ከምኡ’ውን ፍርያቶም ናብ ዕዳጋ ንምቕራብ፡ ጸገም ኣገልግሎት መጓዓዝያ ቀንዲ ማሕንቖ ኮይንዎም ከምዘሎ ገሊጾም።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ዩሱፍ ሑሴን እውን፡ እቲ ቅድሚ ቅሩብ ዓመታት ንፈተነ ብኣሕምልቲ ዝፈለመ ንጥፈታት፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናብ ፍረታት ምስግጋሩ ዓቢ ለውጢ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ጉዳይ መጓዓዝያ ፍታሕ ክናደየሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ቡያ፡ ብሕርሻን መጓሰን ዝናበሩ ልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ነበርቲ ኣለዉ።

Categories