ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ኣገልግሎት ሕክምና ተዋፊሮም ዝጸንሑ ቻይናውያን፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ያንግ ዚጋንግን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ13 መስከረም ናብ ሃገሮም ተፋንዮም።

ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምፍናው ስነስርዓት፡ ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዳይረክተር ኣገልግሎት ጥዕና ዶክተር ጐይትኦም መብራህቱ፡ መንግስቲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ናይ ፈለማ ላዕለዋይ ጉጅለ ሓካይም ናብ ኤርትራ ኣብ 1997 ከምዝለኣኸን ንኣሽሓት ኤርትራውያን ሓገዝ ከምዝገበሩን ኣብሪሁ።

“ሞያውያን ሕክምና ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና፡ ዘመናዊ ኣገባብ ሕክምና ጥራይ ዘይኰነ፡ ከም ኣኲፓንክቸር ዝኣመሰለ ባህላዊ ኣገባብ ፍወሳ ቻይና’ውን ኣተኣታትዮም’ዮም።’’ ዝበለ ዶክተር ጎይትኦም፡ እቶም ሞያውያን፡ ኣብ ኣስመራ፡ ከረንን ባጽዕን ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት፡ ኣብ ሕክምናዊ ምኽሪ፡ መብጣሕቲ፡ ከምኡ’ውን ምስግጋር ተመኲሮ ተዋፊሮም ዝምስገን ኣበርክቶ ከምዝገበሩ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ሚስተር ያንግ ዚጋንግ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት፡ 193 ዶክተራትን ካልኦት ሞያውያንን ኣብ 11 ጉጅለታት ናብ ኤርትራ ተላኢኾም ሓገዞም ከምዘበርከቱ ብምሕባር፡ መበል 12 ጒጅለ ሓካይም ድሮ ናብ ኤርትራ ኣትዩ ከምዘሎ ገሊጹ።

ሚኒስተር ኣሚና ኑርሕሴን ድማ፡ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዎ ዝምድና ኤርትራን ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይናን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ንኽልተኣዊ ረብሓ ብዘገልግል ሓቀኛ ሽርክነት ምድርዑ ዘሐጒስ ምዃኑ ኣረዲኣ። ነቶም ሕጂ ዝመጹ ኣባላት መበል 12 ጉጅለ ሓካይም ናይ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም”፡ ነቶም ናብ ዓዶም ዝምለሱ ዘለዉ ኣባላት መበል 11 ጉጅለ ድማ፡ ስለ’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝሃብዎ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ምስጋና ኣቕሪባ።

Categories