ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብኣፈኛ ባይቶ ወይዘሮ ወርቅሰሙ ማሞ ንዝተመርሑ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ – ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ፡ ትማሊ 14 መስከረም ኣብ ሰዓታት ንግሆ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ዕላማ ዑደቶም፡ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ሃገራት ብዝተፈጥረ ሰላም ዝተሰመዖ ሓጐስ ብኣካል ንምግላጽ ምዃኑ ዝጠቐሱ’ቶም ወከልቲ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ነዚ ዓቢ ተስፋ ፈጢሩ ዘሎ ሰላም ኣብ ፍረ ከብጽሑ፡ ከምኡ’ውን ብምሉእ ምትሕብባርን ቊጠባዊ ብልጽግናን ክድርዕዎ ዘለዎም ሰናይ ድሌት ብምግላጽ፡ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ክንዮ ሃገራትናን ዞባናን ብዓለም ደረጃ እውን ንስም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘበርኽ ምዃኑ ገሊጾም።

“መጋረጃ ጸላም ተቐንጢጡ፡ ን20 ዓመታት ተረሓሒቑ ዝጸንሐ ህዝብታት ዳግም ሕውነቱን ሰናይ ጉርብትናኡን ተመሊሱ ኣሎ” ድሕሪ ምባል ከኣ፡ እዚ ፍቕሪ’ዚ ከምዘለዎ ናብ ሓደስቲ ወለዶታት ክመሓላለፍን ብዝለዓለ ክቕጽልን እጃሞም ከምዘበርክቱ ኣረጋጊጾም። ህዝብን መንግስትን ኤርትራ፡ ኣብ’ቲ ጽንኩር ግዜ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ዝገበርዎ ደገፍ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብግደኡ፡ “መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት፡ ብቐንዱ ናይ ህዝቢ ድሌት እዮም ፈጺሞም” ብምባል፡ ተጀሚሩ ዘሎ ዓቢ ቁም-ነገር’ኳ እንተኾነ፡ ክሳብ መጨረሽታ ክበጽሕ ስለዘለዎ ግዳ፡ እቲ ብደባይሲማ – ቡሬን ሰርሓ – ዛላምበሳን ተጀሚሩ ዘሎ ምኽፋት ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽብ መስመራት መጐዓዝያ ምድሪ፡ ብምኽፋት መስመራት ክሳድ-ዒቃ – ራማ፡ ኦምሓጀር – ሑመራ ክድገፍ ምዃኑ ሓቢሩ። ንዝገበርዎ ዑደት ከኣ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ኣመስጊኑ።

ኣፈኛ ባይቶ ክልል ኣምሓራ ወይዘሮ ወርቅሰሙ ማሞ፡ ብታሪኽን ደምን ዝተኣሳሰሩ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ን20 ዓመታት ብዘጋጠመ ኲናት ንዝኸሰርዎ ዕድላት ናብ ንቡር ዝመልስ ሓድሽ ኩነታት ብምፍጣሩ ሓጐሳ ድሕሪ ምግላጽ፡ ብመጐዓዝያታት ኣየር፡ መሬትን ባሕሪን ከምኡ’ውን ብቴለኮሚኒኬሽን ተጀሚሩ ዘሎ ርክባት ብምሕያል፡ ንመጻኢ ንክልቲአን ሃገራት ማእከል ስሕበት ወፍሪ ንምግባረን ተጀሚሩ ዘሎ ቊጠባዊ ምትእስሳር ክድንፍዕ እምነታ ገሊጻ።

ኣብ’ቲ ርክብ ዝተሳተፉ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ኣብ መወዳእታ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ህያብ ኣበርኪቶም።

ካብ 13 ክሳብ 16 መስከረም ኣብ ኤርትራ ዑደት ክገብር ዝመጸ ጉጅለ ልኡኽ ወከልቲ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ወከልቲ መንእሰያትን ደቂ-ኣንስትዮን፡ ከምኡ’ውን ነጋዶ ዝሓቘፈ እዩ።

Categories