ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራሲያዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ዋዕላ ምትሕብባር ኣፍሪቃን ቻይናን ድሕሪ ምስታፍ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ትማሊ ቅድሚ ቐትሪ ከተማ ዓሰብ ኣትዩ። ኣብ ዓሰብን ከባቢኣን ዑደት ድሕሪ ምፍጻም ከኣ፡ ናብ ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ቀጺሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁን ዝርከብዎም ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ – ማዕርፎ ነፈርቲ ዓሰብ ኣብ ዝኣተውሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሰበስልጣን መንግስቲን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ምዉቕ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ፕረዚደንት ኢስያይስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን፡ ትማሊ ንግሆ ወደብ ዓሰብ ድሕሪ ምብጻሕ፡ ክሳብ ቡሬ ዶብ ኢትዮጵያ ብመካይን ተጓዒዞም – መስመር መጓዓዝያ ዓሰብ-ቡሬ ተዓዚቦም። እቲ ጽርግያ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከምዘሎ ድማ ኣረጋጊጾም።

ወደብ ዓሰብ ዘመናዊ ንምግባሩን ጽርግያ ዓሰብ-ቡሬ ናብ ኣርባዕተ መስመራት ንምስፋሑን መደብ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories