ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ፋርማጆ፡ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ትማሊ 5 መስከረም ሰዓት 7፡00 ናይ ምሸት ኣስመራ ኣትዩ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ብሓባር ተቐቢሎምዎ።

ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ኣስመራ ስሉሳዊ ርክብ ብምክያድ፡ ኣብ ምዕዛዝ ዝምድናታትን ሽርክነታዊ መደባትን፡ ከምኡ’ውን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ካልኦት ጉዳያት ክዝትዩ እዮም።

ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ካብ 28 ክሳብ 30 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ናይ ፈለማ ወግዓዊ ምብጻሕ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ሃገረ ኤርትራን ሪፓብሊክ ሶማልያን ኣርባዕተ ዓንድታት ዝሓዘ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን” ምኽታመን ይዝከር።

ብመሰረት’ቲ ሓባራዊ ኣዋጅ፡ ኤርትራን ሶማልያን፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቊጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ምክልኻልን ጸጥታን ክተሓባበራ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብምምስራት ኣምባሳደራት ክመዛ፡ ክልተኣዊ ንግዳውን ወፍራውን ዝምድና ከተባብዓን ከዕዝዛን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መዳያት ትምህርትን ባህልን ምልውዋጥ ክገብራ ተሰማሚዐን።

Categories