ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብ 28 ክሳብ 30 ነሓሰ፡ ኣብ ምክልኻል ትሮፒካዊ ሕማማት ዘተኰረ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ ከተማ ባጽዕ ወዲቡ።

እቲ ዓውደ-ዘተ፡ ኣብ’ቲ ዞባ ዝነጥፉ ሞያውያን ሕክምና፡ ኣፍልጦኦም ኣብ’ቶም ኣብ ሃገርናን ከባቢናን ዝኽሰቱ ትሮፒካዊ ሕማማት ንምብራኽ ዝዓለመ እዩ።

ነቲ ዓውደ-ዘተ ዝመርሑ ክኢላታት፡ ትራኮማ፡ ብጸባ ዝመሓላለፍ ሕማም ቡርሶላ፡ ቢልሃርዝያ፡ ነፍሪ፡ ሕማም ዕቡድ ከልቢ፡ ደዌ፡ ወይቦን ካልኦትን ትሮፒካዊ ሕማማት፡ ጠንቂታቶምን ሳዕቤናቶምን፡ ከምኡ’ውን ኣገባብ ምክልኻሎምን ፍወሳኦምን ዝምልከት ሰፊሕ መብርሂ ሂቦም።

ኣባል ዞባዊ መወከሲ ሆስፒታል ጊንዳዕ ዶክተር ኣርያም መብራህቱ፡ ኣብ ሃገርና ዝረኣዩ ሕማማት ንምክልኻል ዕቱብ ጻዕርታት ይካየድ’ኳ እንተሎ፡ ምስ ምንቅስቓስ ህዝቢ ካብን ናብን ክኽሰቱ ዝኽእሉ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ብኣጋ ቅድመ-ምክልኻል ንምግባር፡ እቲ ኣስተምህሮ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ኣገንዚባ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ሓላፊ ምክትታል ለበዳዊ ሕማማትን ምሕደራ ሓበሬታ ጥዕናን ኣቶ ወልደየሱስ በላይ ብወገኑ፡ እቲ ዓውደ-ዘተ ብዓይነቱ ናይ ፈለማ ከም ዝኾነ ጠቒሱ፡ ገለ ካብ’ቶም ሕማማት ብዙሕ ኣቓልቦ ዘይወሃቦም ስለዝኾኑ፡ ንቕሓት ብምብራኽ ናይ ምክትታል ስራሓት ንምክያድ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣረዲኡ።

***

Categories