ኣብ ዓድታት ወቐርቲን ዓዲ-ዛምርን – ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ዘድሊ ረቛሒታት ንዘማልኡ 147 ዜጋታት፡ ብ24 ነሓሰ መሬት ጤሳ ተዓዲሉ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣቶ የማነ ኣበራ ኣብ ዝተረኽበሉ ስነ-ስርዓት ምዕዳል፡ ዛጊት ኣብ ሰለስተ ዕደላ፡ 415 ደቂ-ኣንስትዮ ንዝርከብኦም 1057 ዜጋታት መሬት ጤሳ ከምእተዋህበ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ተሓቢሩ።

ሓላፊት መሬት ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ ወይዘሮ ጸጋ ሃይለ፡ ነቲ መስርሕ ንምዕዋት ዝጸዓሩ ሽማግለታት ድሕሪ ምምስጋን፡ ህዝቢ ዝተዋህቦ መሬት ኣብ ግቡእ መዓላ ከውዕሎ ኣተሓሳሲባ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ደቀምሓረ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ኣብ ዓድታት ጉራዕ ን1229 ዜጋታት፡ ኣብ ዓዲ-ንፋስ ድማ ን235 ዜጋታት መሬት ጤሳ ከምእተዓደለ፡ ካብ ቤት-ጽሕፈት መሬት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።

Categories