ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ከም መቐጸልታ ናይ’ቲ ዓመት መጸ ኣብ እዋን ምጅማር ዓመተትምህርቲ ዝገብሮ – ሎሚ ዓመት’ውን ኣብ መላእ ሃገር ንዝርከቡ ተመሃሮ ዝኸውን ናውቲ ትምህርቲ ብርትዓዊ ዋጋ ከከፋፍል ጀሚሩ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ኣቶ ገብረዮውሃንስ ሓጐስ፡ እዚ ካብ ዝጅመር 12 ዓመታት ኣቚጺሩ ዘሎ መሰረታዊ ጠለባት ናይ ምውሓስ መደብ፡ ካብ ቅድመትምህርቲ ክሳብ ኮሌጃት ዝዝርጋሕ ኮይኑ፡ ጥራውዝቲ፡ ብርዒታት፡ ርሳሳት፡ መደምሰስ፡ ኮምፓስን ካልእን ዘጠቓልል ምዃኑ ሓቢሩ። እቲ ዕላማ – ተመሃሮ ብርትዓዊ ዋጋ ናውቲ ትምህርቲ ክዓጥቁ ንወለዲን ኣለይትን ንምሕጋዝ ከምዝኾነ ድማ ገሊጹ።

ነዚ መደብ ክውን ንምግባር፡ መንግስቲ ዓመታዊ ካብ 32 ክሳብ 45 ሚልዮን ናቕፋ ወጻኢ ከምዝገብር ዝጠቐሰ ኣቶ ገብረዮውሃንስ፡ ናብ ኩለን ንኡሳን ዞባታት ክባጻሕ ስለዝኾነ፡ ወለዲ ነዚ ፈሊጦም፡ ንደቆም ዘድሊ ናውቲ ትምህርቲ ከካብ ኣብያተ-ትምህርቶም ክዕድጉ ኣዘኻኺሩ።

እቲ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ብርትዓዊ ዋጋ ዝከፋፈል ጥራውዝቲ፡ ኣብ ገበሩ – ንቕሓት ተመሃሮ ኣብ ጥዕናውን ትራፊካውን ድሕነት ዘዕቢ ጐስጓሳዊ ጽሑፋት፡ ከምኡ’ውን ምስ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ምትእስሳር ዘለዎም ስእልታት ከምዘለዎ ብምሕባር ከኣ፡ ኣብ ንግዳዊ መዓላታት ክውዕል ይኹን ብናይ ግሊ ትካላት ንግዲ ክሽየጥ ክልኩል ምዃኑ ኣገንዚቡ።

***

Categories