ሃገራዊ ፈስቲቫል 2018፡ “ሰላም ንዘላቒ ዕብየት” ብዝብል ቴማ ካብ 31 ነሓሰ ክሳብ 8 መስከረም ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ – ኣስመራ ክካየድ እዩ።

ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ንማዕከናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኩሉ ግዜ ሃገራዊ ፈስቲቫል ንህሉው መድረኽ ዘንጸባርቕ ንምግባሩ ከምዝጸዓር፡ ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል እውን ኣቲናዮ ንዘሎና ትስፉው መድረኽ ሰላም ከንጸባርቕ ምዃኑ ገሊጹ። ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ስነ-ጥበበኛታትን ነጋድያንን ክሳተፉ ትጽቢት ከምዝግበር ድማ ሓቢሩ።

“ሃገራዊ ፈስቲቫልና፡ መርኣያ ሃገራዊ ሓድነትና፡ መሰሰኒ ባህልናን ዓቃቢ መንነትናን’ዩ” ዝበለ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ብሄራትና ጽባቐአን ዘጒልሓሉ መድረኽ ስለዝኾነ፡ ከም’ቲ ልሙድ – ቊሸት መነባብሮ፡ ድኰና ያታዊ ኣባይቲ፡ ያታዊ ትልሂት፡ መሳርሒታት ሙዚቃን ምርኢት ቅርሲታትን ክቐርቡ ምዃኖም ኣረዲኡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ፡ ኣብ ሳዋ ኣብ ዝተኻየደ ፈስቲቫል መንእሰያት ካብ ዝቐረቡ ውጽኢት ምህዞን ሰንዓን ዝተመርጹ – 30 ስራሓት ከምዝቐርቡ ዝሓበረ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ቅንያት ሃገራዊ ፈስቲቫል፡ ካብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ናብ ወርሒ መስከረም ዝተቐየረሉ ምኽንያት፡ ካብ ሃገራዊ ፈስቲቫል መንእሰያት ናይ ግዜ ጋግ ከምዝህሉ ንምግባር ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

Categories