ሓርበኛ ሽሕም ሂላል መሓመድ፡ ኣብ መበል 93 ዓመቱ ብ6 ነሓሰ ተሰዊኡ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ቤተ-ሰቡ፡ መቓልስቱን ብርክት ዝበለ ህዝቢን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ብ7 ነሓሰ ኣብ ከተማ ባጽዕ ተፈጺሙ።

ኣብ 1930 ኣብ መካዕሊለ – ምምሕዳር ከባቢ ኢንገል ዝተወልደ ሓርበኛ ሽሕም፡ ካብ 1960 ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ሰውራ ኤርትራ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1969 “ምስ ሰውራ ኤርትራ ይተሓባበር ኣሎ” ተባሂሉ ብስርዓት ንጉስ ሃይለስላሰ ኣብ ዘየለወሉ ንሞት ተፈሪዱ።

ካብ 1970 ክሳብ 1980 ኣባል ‘ባሕርያ’ ብምዃን ካብ ዓደን ናብ ኤርትራ ኣብ ምምልላስ ዕጥቅን ስንቅን ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ 1980 ናብ ትውልዲ ዓዱ ብምምላስ ክሳብ ዕለተ ናጽነት ከም ወኪል ሓፋሽ ውድባት ደንካልያ ኮይኑ ቃልሱ ቀጺሉ።

ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ክሳብ 2004 ኣባል ባይቶ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብምዃን፡ ንህዝቡን ሃገሩን ኣገልጊሉ።

ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ምምእዛንን ምእላይን ኩሉ-መዳያዊ ንጥፈታት ህዝቢን ምምሕዳርን ክሳብ ዕለተ-መስዋእቱ ብንጥፈት ሰሪሑ።

ሓርበኛ ሽሕም ሂላል መሓመድ፡ ኣቦ 10 ደቂ እዩ።

Categories