ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ንኡሳን ዞባታት ባረንቱን ኣቑርደትን፡ ብመደብ ‘መኸተ ልምዓት’ ኣብ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ከምኡ’ውን ምትካል ፈልሲታት ዘተኰረ ንጥፈታት ይሰላሰል ኣሎ።

እቲ ብተሳታፍነት ኩሉ ኣካል ሕብረተሰብ ዝካየድ ዘሎ ልምዓታዊ ወፈራታት፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣከባቢ ንምርጋእን ሽፋን መሬት ናብ ንቡር ንምምላስን በብከባቢኡ ዝትግበር ዘሎ ወፍሪ ምዃኑ፡ ወኪል በዓል-ስልጣን ኣግራብን እንስሳ ዘገዳምን ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ ኣቶ ተኸስተ ክፍለማርያም ገሊጹ።

በቲ መደብ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ከም ዝበ፡ ጋባ፡ ድማን ጭጎኖን ዝኣመሰለ መበቈላዊ ኣግራብ ዝርከቦ፡ ድሮ 20 ሽሕ ፈልሲታት ከምእተተኽለ እውን ሓቢሩ።

ተሳተፍቲ፡ ዝተተኽለ ኣግራብ ግቡእ ሓለዋን ክንክንን ክግበረሉ ተላብዮም።

Categories