ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ – ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለ፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ ሃገረ ጀርመን ሕክምናዊ ክትትል ክገብር ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ30 ሓምለ ኣብ መበል 69 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ካብ 1963 ክሳብ 1966 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ምስጢራዊ ስርርዕ ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ከካይድ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 1967 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንሓርነት ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ሓላፍነት፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ፈለማ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ዓንሰባ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቊጠባዊ ልምዓት፡ ድሒሩ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ኣብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኮይኑ፡ ንህዝቡን ንሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ስዉእ ተስፋይ ተኽለ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሰለስተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ቀዳም 11 ነሓሰ ሰዓት 10፡00 ቅድሚ-ቐትሪ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳር ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ተስፋይ ተኽለ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱ፡ መሳርሕቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories