ገዲም ተጋዳላይ ብሪጋደር ጀነራል ተመስገን በርሀ፡ ብሕማም ምኽንያት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሕክምናዊ ክንክን ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ6 ነሓሰ ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ 1965 ዓመተ-ምህረት ኣብ ትሕቲ ጽላል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ከም ኣካያዲ ኣካል ማሕበር ተመሃሮ ግቡኡ እናማልአ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1965 ናብ መሳርዕ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ተመስገን በርሀ፡ ክሳብ 1967 ኣብ ተዋጋኢ ኣሃዱታት ተመዲቡ ክሳብ ደረጃ ጸሓፊ ጋንታ ብምዃን ክጋደል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ’ቲ ዓመት’ቲ ንዝለዓለ ወተሃደራዊ ትምህርቲ ናብ ሃገረ ዒራቕ ተላኢኹ ንኣርባዕተ ዓመታት ዝተማልአ ወተሃደራዊ ስነ-ፍልጠት ቀሲሙ ናብ ሜዳ ተመሊሱ።

ብድሕሪ’ዚ ኣብ 1971 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝተሰለፈ ሓርበኛ ተመስገን በርሀ፡ ኣብ ቃልሲ ንናጽነት፡ ኣብ ምትእትታው ዘመናዊ ወተሃደራዊ ትምህርቲን ምምስራት ኣሃዱታት ከቢድ ብረትን፡ ከምኡ’ውን ከም ተራ ተዋጋኢ፡ ከም መምህር፡ ሓላፊ ማእከል ስልጠናን ታዕሊምን ኣዛዚ ኣሃዱታት ከቢድ ብረትን ብዝተፈላለየ ጽፍሕታት ዝሰርሐን ዝመርሐን እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ድማ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ከም ላዕለዋይ ኣወሃሃዲ ስታፍ ስልጠናን ውዳበን ከበድቲ ኣጽዋር ብምዃን፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ንህዝቡን ሃገሩን ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ ብሪጋደር ጀነራል ተመስገን በርሀ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ቀዳም 11 ነሓሰ ሰዓት 10፡00 ቅድሚቐትሪ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም እዩ።

ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ብሪጋደር ጀነራል ተመስገን በርሀ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራቤቱን መቓልስቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ይብል።

Categories