ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ ዓርቢ 10 ነሓሰ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ገይሹ።

ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣብ ዝበጽሓሉ ድማ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዝመርሖም ሰበ-ስልጣን ተቐቢሎምዎ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ ኣብ’ዚ ዑደቱ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ከብጽሕ እዩ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ገስጋስ ትግባረ ናይ’ቲ ብ9 ሓምለ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ኣስመራ ዝተበጽሐ “ሓባራዊ ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን” ካልእ ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ጉዳያትን ክዝቲ እዩ።

Categories