ሃገረ ኤርትራን ሪፖብሊክ ሶማልን፡ ትማሊ ሰኑይ 30 ሓምለ ኣብ ኣስመራ – ኣርባዕተ ዓንድታት ዝሓዘ ሓባራዊ ‘ኣዋጅ ሕውነታዊ ምሕዝነትን ኣጠቓላሊ ምትሕግጋዝን’ ከቲመን።

ነዚ ኣብ መንጎ ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን ዘሎ ዓሚቚ ታሪኻዊ ሕውነታዊ ዝምድናን ምሕዝነትን ንምድንፋዕ ዝዓለመ ስምምዕ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን እዮም ክታሞም ኣንቢሮምሉ።

ብመሰረት’ቲ ሰነድ፡ ኤርትራን ሶማልን፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቊጠባ፡ ማሕበራዊ፡ ባህላዊ፡ ምክልኻልን ጸጥታን ክተሓባበራ፡ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብምምስራት ኣምባሳደራት ክመዛ፡ ክልተኣዊ ንግዳውን ወፍራውን ዝምድና ከተባብዓን ከዕዝዛን፡ ከምኡ’ውን ኣብ መዳያት ትምህርትን ባህልን ምልውዋጥ ክገብራ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ብዘይካ’ዚ ክልቲአን ሃገራት፡ ዞባዊ ሰላም፡ ምርግጋእን ቊጠባዊ ውህደትን ንምትብባዕን ንምርግጋጽን፡ ብሓደን ብምርድዳእን ክሰርሓ እየን።

ኣብ’ቲ ስምምዕ፡ ኤርትራ – ንፖለቲካዊ ናጽነት፡ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ሶማል፡ ከምኡ’ውን ህዝቢን መንግስትን ሶማል ንሃገሮም ናብ ንቡር ቊመናኣ ንምምላስን ጥሙሕ ህዝባ ከምእተርዊ ንምግባራን ንዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪታት ዘለዋ ጽኑዕ ደገፍ ኣረጋጊጻ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ህያብ ኣበርኪቱሉ።

ካብ 28 ሓምለ ኣብ ኤርትራ ወግዓዊ ታሪኻዊ ምብጻሕ ዘካየደ ፕረዚደንት ሪፖብሊክ ሶማል፡ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ዑደቱ ዛዚሙ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ-ቐትሪ ተፋንዩ።

Categories