ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብ ዕለት 9 ሓምለ ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወደቐ እገዳ ኪለዓል ጸዊዑ። ኣብ ጎኒ ፍትሒ ዘለዎ ተባዕን ብልሂን መርገጺኡ፡ ብዘየወላውል ኣመስኪሩ እዩ። ፕረዚደንት ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ሶማልያ መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ’ውን ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ተመሳሳሊ ስምዒትን ርእይቶን’ዩ ገሊጹ። ውሑዳት ዝነደዩ፡ ቀጨውጨው እንተበሎም ከኣ ዝገርም ኣይኰነን።

ዝዀነ ፖለቲካዊ መጎትን ጭብጥታትን መርትዖታትን ዘይነበሮ፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ቀዪድካን ዓቢስካን ንምቕርቃር ምእንቲ፡ ኣብ ዋሽንግተን ብዝነበረ ‘ጋንግ’ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ‘ወያነ’ ብውዲት ተፈብሪኹ ዝተፋሕሰ ጠቐነ፡ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕለፎ ዘይሕጋዊ እገዳ፡ ድሮ ታሽዓይ ዓመቱ ይመልእ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ’ዚ ትሽዓተ ዓመታት፡ እዚ ዘይሕጋዊ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነ፡ ብማዕረ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባና ዘኸተሎ ሃስያ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ ነይሩ።

ኣብ ዞባናን ኪኖኡን፡ ንሽበራ ዝድግፍ ዝነበረን ዘሎን መን ምዃኑ ምፍላጥ፡ ሽሕር (magic) ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኰነን! ንዞባዊ ርግኣት መን ይሕንክሮ ከምዝነበረ ምፍላጥ’ውን ፍተሻ ዘድልዮ ምስጢር ኣይኰነን። ሓቂ ብዘየወላውል ድምቀት ተዀሊዓ’ላ

መንግስትን ህዝብን ኤርትራ፡ ንዓሎቕን ርግጸት ሕጊን ታህዲዳትን ኣይተምበርከኸን – ኣይረዓመን። ንዘይሕጋዊ እገዳን መሳርያታቱን ክቕበሎን ሕጋውነት ክህቦን (legitimize ኪገብር) እውን ኣይተደናደነን።

በደል ብፍትሒ ኪከሓስ ስለዘለዎ፡ ኣብ ቅድሚ ድምቀት ሓቂ፡ ፍትሒ ይረጋገጽ! ዕባራ ምስምሳት ሃሰውሰው ምባል ሰዓቱ ሓሊፉ’ዩ!

ሚኒስትሪ ዜና

ኣስመራ – 30 ሓምለ 2018

Categories