ምብጻሕ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ኣብ ዝምድናታት ኤርትራን ሶማልን ሓድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ ዝኸፍት ኣገዳሲ ፍጻመ ምዃኑ፡ ሚኒስተር ዜናን ባህልን ቱሪዝምን መንግስቲ ሪፓብሊክ ሶማል ገሊጹ።

ሚኒስተር ጣህር ማሕሙድ ጌለ ንማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ምብጻሕ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማል ኣብ ሃገረ ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቲ ዝጸንሐ ህዝባውን ሕውነታውን ዝምድና ናብ ዝበረኸ ናይ ምትሕግጋዝን ሽርክነትን መድረኽ ከምዘሰጋግሮ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ንዝተገብረሎም ምዕሩግ ወግዓውን ህዝባውን ኣቀባብላ ድማ ሞጒሱ።

“ህዝብታት ኤርትራን ሶማልን፡ ብታሪኽ፡ ተመኲሮ መግዛእቲ፡ ቃልሲን ክብርታትን ብዙሕ ምምስሳል ኣለዎም” ዝበለ ሚኒስተር ጣህር፡ ኣብ’ዚ ታሪኻዊ ምብጻሕ – ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን ዝግበር ምምኽኻርን ዝብጻሕ ስምምዓትን፡ ንዝጸንሐ ሕውነታዊ ዝምድና ዝድርዕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንሰላም፡ ምርግጋእን ብልጽግናን ዞባናን ኪኖኡን እውን ኣገዳስነቱ ዕዙዝ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ብናይ ነዊሕ ዓመታት ግጭታትን ሳዕቤናቱን ዝደመየን ዝተሳቐየን ዞባና፡ ሰላም መሰረታዊ ጠለብ ህዝብታቱ ምዃኑ፡ ነዚ ብምስማር ናብ ርግኣትን ብልጽግናን ንምምራሽ ድማ ምምልላእን ምድግጋፍን ከምዘድልዮ ዝሓበረ ሚኒስተር ጣህር፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኣብ መንጎ ሃገራት’ዚ ዞባ ዝርአ ዘሎ ምቅርራብን ትስፉው ናይ ሰላም ሃዋህውን፡ ድሙቕ መቓልሕ ከምዝህልዎ ኣብሪሁ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንክብሪ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድን ምስኡ ዝመጸ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ሪፓብሊክ ሶማልን፡ ናይ ምሳሕ እንግዶት ገይሩ።

Categories