ኣብ ማእከል መሰልጠኒ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ብዓውዲ ኣተሓሕዛ ሕሳብ ዝሰልጠኑ 102 ኣባላት ሚኒስትሪ ፋይናንስን 11 ኣባላት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢን፡ ብ26 ሓምለ ብደረጃ ሰርቲፊኬት ተመሪቖም።

እቲ ሽድሽተ ዓውድታት ዘጠቓልል ሞያዊ ስልጠና፡ ካልኣይ ክፋል ናይ’ቲ ኣብ 2012 ዝተዋህበ ስልጠና ኮይኑ፡ ኣብ ምድንፋዕ ተጠርዩ ዝጸንሐ ክልሰሓሳባውን ግብራውን ትምህርቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ፡ ኣብቲ ናይ ምምራቕ ስነ-ስርዓት ተገሊጹ።

ሚኒስተር ፋይናንስ ኣቶ ብርሃነ ሃብተማርያም፡ እቲ ሞያዊ ስልጠና ምስ ተልእኾን ንጥፈታትን ሚኒስትሪ ፋይናንስ ተዛሚዱ ዝኸይድ ፍሉይ ካሪክለም ወጺኡሉ፡ ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ተቐባልነት ምስ ረኸበ ኣብ ግብሪ ከምዝወዓለ ብምጥቃስ፡ ተመረቕቲ ቀሲሞምዎ ብዘለዉ ተወሳኺ ዕጥቂ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታኦም ብዝያዳ ተወፋይነትን ብቕዓትን ዓጸፋ ከበርክቱ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ’ዚ ንዓመትን 5 ኣዋርሕን ዝቐጸለ ካልኣይ ገጽ ስልጠና ካብ ዝተሳተፉ – እተን 84 ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ዝሓበረ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሓላፊ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ኣቶ ብርሃነ ኣለም፡ 14 ኣዴታት ህጻናት ደቀን መእለዪ ተገይሩሎም ትምህርተን ብግቡእ ተኸታቲለን ከምእተመረቓ ገሊጹ።

ወኪል ተመረቕቲ ብወገና፡ መንግስቲ – ዜጋታት ኣብ ዝተመደቡሉ ስራሕ ኣድማዕቲ ንክኾኑ በብግዜኡ ዝህቦ ስልጠናታት ኣብ ባይታ ጽቡቕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ብምሕባር፡ በብደረጃኡ ቀጻልነት ክህልዎ ተላብያ።

ኣብ 2012 ኣብ ዝተኻየደ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ስልጠና፡ 124 ኣባላት ሚኒስትሪ ፋይናንስን 17 ኣባላት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻእን – ብድምር 141 ሰልጠንቲ ተሳቲፎም ነይሮም።

Categories