ኣብ ዞባ ደቡብ፡ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራ፡ ዓዲ-ዃላን እምኒ-ሓይሊን፡ ንገስጋስ ትምህርቲ ብሓፈሻ፡ ውጽኢት ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ድማ ብፍላይ ዝግምግም ርክባት ተኻዪዱ።

ኣብ ንኡስ ዞባ መደፈራ፡ ተሳተፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸር እንከሎ፡ ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ብማእከላይ ገምጋም ብ2.2 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ዝሓበረ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ መምህር ገረዝግሄር ተወልደ፡ ዝያዳ ንምዕባዩ ምስ ምምሕዳራት ብውህደት ክስራሕ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ድማ፡ 16,800 ተመሃሮ ስሩዕ ትምህርቶም ክከታተሉ ከምዝሓገዩ፡ መጠን ምሕላፍ ድማ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ብገምጋም 82 ሚእታዊት ከምዝነበረ ክሕበር እንከሎ፡ ንኣድማዕነት መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን – ዋሕዲ ሰደቓታት፡ ኮሚፕዩተራትን ትሕተ-ቅርጺን ፍታሕ ክናደየሉ ለበዋ ቀሪቡ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ዓዲ-ዃላ ከኣ፡ ኣብ ዓመተትምህርቲ 2017/2018 ኣስታት 24,460 ተመሃሮ ስሩዕ ትምህርቶም ክከታተሉ እንከለዉ፡ ኣብ መባእታን ማእከላይን ደረጃታት፡ እቲ ክብጻሕ ዘለዎ ናይ 80 ክሳብ 90 ሚእታዊት መጠን ምሕላፍ ስለዘይተበጸሐ፡ ብዝለዓለ ክስራሓሉ ተሰሚሩሉ።

ተሳተፍቲ፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዘሎ ተወዳዳርነት ክብ ንምባል ዝሕግዝ ኣገባባት ክተኣታቶ፡ ባህሊ ምንባብ ኣብ ተመሃሮ ንምስራጽ ክስራሓሉ፡ ኣብ ምጅማር ትምህርቲ ዝርአ ምድንጓያት ጠንቁ ተለልዩ ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዮም።

ሓላፊ ምምሕዳርን ፋይናንስን ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ደቡብ፡ ኣቶ ጉበን ሓድሽ፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ክብርኽን መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ክዕወትን፡ ንመማህራን ዝግበር ኮማዊ ደገፍ ብዝለዓለ ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ንኡሳን ዞባታት መንደፈራ፡ ዓዲዃላን እምኒ-ሓይሊን፡ ብድምር 38 ናይ ቅድመ-ትምህርቲ፡ 77 ድማ ካብ መባእታ ክሳብ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣለዋ።

Categories