ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ናይ ሰለስተ መዓልታት ወግዓዊ ምብጻሕ ንምፍጻም፡ ጽባሕ ቀዳም 28 ሓምለ ኣብ ሰዓታት ቅድሚቐትሪ ኣስመራ ክኣቱ እዩ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ንኽልቲኡ ወገናት ኣብ ዘገድሱ ዞባዊ ምዕባለታትን ክዝትዩ እዮም።

ሶማል ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ንልኡላውነታን መሬታዊ ሓድነታን ዝፈታተን ከቢድ ብድሆታት ከምዝሓለፈት ይዝከር።

ኤርትራን ሶማልን፡ ካብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝጅምር – ምዉቕ ሕውነታዊ ዝምድና ዝጸንሐን እየን።

Categories