ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሻምብቆ፡ ሓለፍቲ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ኮሚተ ንኡስ ዞባን ካልኦት መሻረኽትን ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ሎሚ ዓመት ንዝተተግበረ መስርሕ ምድልዳል መሬት ገምጊሙ።

ኣብ’ቲ ኣኼባ፡ ኣብ 13 ምምሕዳራት ከባቢ ምድልዳል መሬት ከምእተኻየደ፡ በቲ ኣብ ክረምታዊ ሕርሻ ዘተኰረ ስራሕ ድማ፡ ልዕሊ 10 ሽሕ ህዝቢ ብመሰል ተጠቃምነት ልዕሊ 12 ሽሕ ሄክታር ከምእተዓደለ፡ ሓላፊ ቊጠባዊ ልምዓት ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኣቶ በረኸት መሓሪ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ ኣቶ ካሕሳይ ኣስራት ብወገኑ፡ ኣብ’ቲ ከባቢ ብዝጸንሐ ኣተሓሓዛ፡ መሬት ብውሱናት ውልቀ-ሰባት ጥራይ ዝተባሕተ ምንባሩ፡ ዝተገብረ መስርሕ ምድልዳል ነቲ ተርእዮ ዝፍውስ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ሓረስቶት ተዓዲልዎም ዘሎ መሬት ሕርሻ ብግቡእ ብምዝላይን ብምክንኻንን፡ ካብ ውሱን ስፍሓት ርቡሕ እቶት ንምርካብ ክሰርሑ ድማ ኣዘኻኺሩ።

Categories