ኣገልግሎት ማእሰርትን ተሃድሶን ሰምበል፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018 ከካይዶ ዝጸንሐ ኣካዳሚያዊ፡ ሞያውን ስፖርታውን ንጥፈታት ዛዚሙ።

ብ24 ሓምለ ኣብ ዝተኻየደ – ሚኒስተር ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ወይዘሮ ልኡል ገብረኣብ፡ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለን ሓላፊ ኣገልግሎት ማእሰርቲን ተሃድሶን ኤርትራ ብርጋደር ጀነራል ግርማይ መሓሪን ዝተረኽቡሉ መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ብደገፍ መሻርኽቲ ኣካላት፡ ኣድማዒ መደባት ከምእተተግበረ ተገሊጹ።

ሓላፊ ኣገልግሎት ማእሰርቲን ተሃድሶን ሰምበል፡ ሜጀር መሓሪ ዓንደብርሃን፡ ናይ መሳርሒታት፡ መወከሲ መጻሕፍቲ፡ ዕጥቂ ስፖርትን ካልእን ሕጽረት ኣቓልቦ ክግበረሉ ኣዘኻኺሩ።

ርእሰ መምህር ናይ’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር በርሀ ዑቕባዝጊ ብግደኡ፡ ካብቶም ኣብዚ ዓመት’ዚ ትምህርቶም ዝተኸታተሉ 196 ተመሃሮ፡ 176 ከምዝሓለፉ፡ ካብዚኦም እቶም 23 ድማ ኣብ መልቀቒ ፈተና 2ይ ደረጃ ከምእተሳተፉ ገሊጹ።

ኣብ መዛዘሚ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ኣካዳሚያዊ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናታትን ጸብለልታ ንዘርኣዩ ተመሃሮን፡ ኣብ ስፖርታዊ ንጥፈታት ንዝተዓወታ ጋንታታትን ሽልማት ተዓዲሉ።

ኣቐዲሙ ብ20 ሓምለ እውን፡ ኣብ ኣገልግሎት ማእሰርቲን ተሃድሶን ሓዝሓዝ ተመሳሳሊ ንጥፈታት ተኻይዱ ነይሩ።

Categories