ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብ 23 ሓምለ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘካየዶ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ዛዚሙ፡ ትማሊ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ብዕድመ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣብ ስዑድያ ኣብ ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ፡ ክልቲኦም መራሕቲ፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም።

ንጉስ ሳልማን፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ንዘለዋ ምሕዝነታዊ ዝምድና ዓቢ ግምት ከምእትህቦ ድሕሪ ምግላጽ፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን – ምዕራፍ ኲናት ብምብቃዕ ሓድሽ ምዕራፍ ሰላም ንምኽፋት ንዝወሰድዎ ተባዕን ውሕሉልን ተበግሶ ሞጒሱ።

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ወራስ ዓራት ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያንን፡ ዝገፍሐን ኣድማዒን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ንምርግጋጽ ዘኽእል፡ ዕቱብ ምምኽኻር ንምክያድ ዝዓለመ ስሉሳዊ ርክብ ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንፕረዚደንት ኢሳያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ብዝወሰድዎ ኣብነታዊ ተበግሶን ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪን፡ ዝለዓለ “ኒሻን ዛይድ” ሸሊማቶም።

Categories