ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኣባላትን ተኸታተልትን – ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ፈይስ-ቡክ፡ ዩትዩብን ትዊተርን ዝነጥፍ ጉጅለ ፓልቶክ “ኢ.ፒ.ኤል.ኤፍ – ህግደፍ ቪዥን ሩም” ዝኾኑ ዜጋታት፡ ብምኽንያት 20 ሰነ – መዓልቲ ስዉኣት፡ ንምንባይ ደቂ-ስዉኣት ዝውዕል 44 ሽሕ ዶላር – ማለት 660 ሽሕ ናቕፋ ኣበርኪቶም።

ኣባል’ቲ ጉጅለ – ተቐማጣይ ሽወደን ኣቶ ዳኒኤል ሃይለ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣባላት ናይ’ቲ ጉጅለ፡ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ፡ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ማእከላይ ምብራቕ፡ ኣፍሪቃን እስራኤልን ዝነብሩ – ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፋለጡን ዝተኣኻኸቡን ሃገራውነት ዝጠምሮም ምዃኖም ብምሕባር፡ ንጽጉማት ወገናቶም ንምሕጋዝን ንምድጋፍን ዝተፈላለየ ተበግሶታት ክወስዱ ምጽንሖም፡ እዚ ናይ ሕጂ ድማ መቐጸልታ ናይ’ቲ ሕድሪ ሰማእታቶም ንምትግባር ዝተወስደ ስጉምቲ ምዃኑ ገሊጹ።

ጉጅለ ፓልቶክ “ኢ.ፒ.ኤል.ኤፍ – ህግደፍ ቪዥን ሩም”፡ ንጽጉማት ወገናት ንምሕጋዝ ብዝብል ዕላማ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተመስረተ ጉጅለ እዩ።

Categories