ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ፡ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢ ጽላለ፡ ብጋንታታት ተወዲቦም ዘሰላስልዎ ዘለዉ ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ብዘለዓለ ክቕጽልዎ ምዃኖም ገሊጾም።

እቲ ኣብ ምስራሕ ከትርታት፡ ዛላታትን ከዘንቲ ማይን ዘተኰረ ንጥፈታቶም፡ ኣብ ምርጋእ ኣከባብን ምድንፋዕ እቶት ሕርሻን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝረኸቡሉ ዝሓበሩ’ቶም ነበርቲ፡ ብዝሓየለ ውዳበታት ንክቕጽልዎ ከምዘተባብዖም ሓቢሮም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሎጎ-ዓንሰባ ክኢላ ምዕቃብ ሓመድን ማይን ኢንጅነር ተመስገን ጐይትኦም፡ 720 ነበርቲ ዘለዉዋ ምምሕዳር ከባቢ ጽላለ፡ ንካልኦት ከባቢታት ጽቡቕ ኣብነት ኮይና ከምዘላ ገሊጹ።

Categories