ኣብ መደምደምታ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ወራሲ ዓራት ኣቡዳቢን ምክትል ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን፡ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ብ24 ሓምለ 2018 ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እቲ ንምምሕያሽ ዝምድና ክልተአን ሃገራት መንገዲ ዘጣጥሕ ስምምዕ ሰላም፡ ንጸጥታን ርግኣትን ክልቲአን ሃገራት ብፍላይ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃን ንዝሰፍሐ ዞባን ድማ ብሓፈሻ ዕዙዝ ተራ ከም ዝህልዎ ብምእማን ኣድናቖታ ገሊጻ።

ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣል ናህያን፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን ስለ’ቲ ውሕሉል መሪሕነቶምን፡ ንታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ክልተአን ሃገራት ዝወሰድዎ ተባዕ፡ ቅልጡፍን እዋናዊን ስጉምቲን ሞጒሱ። እቲ ስምምዕ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ናይ ሓዋሩ ሰላም፡ ምዕባለን ብልጽግናን መንገዲ ዝኸፍት ምዃኑ ድማ ገሊጹ።

መግለጺ ስሉሳዊ ርክብ፡ እቲ ስምምዕ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ምስ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዋ ዓሚቚ ዝምድናን ሓባራዊ ረብሓን ዘደንፍዕ፡ ዕድላት ሰላምን ምዕባለን ዝኸፍት፡ ንሰላምን ርግኣትን ናይቲ ዞባ ድልዱል መሰረት ዘንጽፍ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ክብረት ኣህጉራዊ ሕግን ቻርተርን ተመርኲሱ፡ ቀጻልን ጥዑይን ጉርብትና ንምዕቃብ – ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ንዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ምሉእ ደገፋ ተረጋግጽ።

ሰለስቲኦም ወገናት ኣብ መግለጺኦም፡ ማሕበረሰብ ዓለም፡ ነቲ ሰላም፡ ጽቡቕ ጕርብትና፡ ርግኣትን ምዕባለን ንምስጓም፡ ኣብ መንጎ ክልተአን ሃገራት ዝተኸተመ ታሪኻዊን ሃናጺን ስምምዕ ሰላም ክድግፍ ጸዊዖም።

መራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ንልቦና ንጉስ ስዑዲ ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ፤ ንኣበርክቶ ሸኽ መሓመድ ቢን ዛይድ፡ ወራሲ ዓራትን ምክትል ፕረዚደንት ባይቶ ሚኒስተራትን ሚኒስተር ምክልኻልን ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ፤ ኣውሓስትን ደረኽትን ስምምዕ ሰላም ኰይኖም፡ ንኽልቲአን ጎረባብቲ ሃገራትን ቀርኒ ኣፍሪቃን ንዘርብሕ እወታዊ ዝምድና ብምድራኾም ንኢዶም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ዝነበረ ግጭት ንኸብቅዕ፡ ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ንዘካየዳኦ ጻዕርን ኣበርክቶን ኣመስጊኖም። ንግስነት ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን፡ ክልቲአን ሃገራት ንህዝበንን ንዝሰፍሐ ዞባን ዘርብሕ ጥዑይ ዝምድና ዳግም ክምስርታ፡ ዘይተቘጠበ ጻዕሪ ምክያደን እውን ሞጒሶም።

Categories