ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንቐዳማይ ሚኒስተር ፈደራላዊት ሪፓብሊክ ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምስፋን ብዝወሰድዎ ተበግሶን ዘካይድዎ ዘለዉ ጻዕሪን፡ ኣብ’ታ ሃገር ዝለዓለ “ኒሻን ዛይድ” ሸሊማቶም።

ትማሊ 24 ሓምለ ኣብ ኣቡ-ዳቢ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ ወራስ ዓራት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሼኽ መሓመድ ቢን ዛይድ ኣልናህያን፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ዝምድናታት ሃገራቶም ናብ ንቡር ንምምላስ ወሲዶምዎ ንዘለዉ ተበግሶ፡ “ተባዕን ኣብነታውን” ክብል ድሕሪ ምግላጽ፡ ሃገሩ ከምእትድግፎን ንምሉእ ዓወቱ ከምእትሰርሕን ኣረጋጊጹ።

ጐድኒ-ጐድኒ’ዚ፡ ሰለስቲኦም መራሕቲ፡ ዝገፍሐን ኣድማዒን ዞባዊ ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ንምርግጋጽ ዘኽእል፡ ዕቱብ ምምኽኻር ንምክያድ ዝዓለመ ርክብ ኣካዪዶም።

ብሰንኪ ምሕንጋድ ኣቐዲሞም ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ስልጣን ሒዞም ዝነበሩ ስርዓታት – ትግባረኡ ኣብ ባይታ ተዓጊቱ ዝጸንሐ ናይ መወዳእታን ቀያድን ብይን ኮሚሽን ዶብ፡ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተበትከ ኩሉ-መዳያዊ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን፡ ብ9 ሓምለ ኣብ ኣስመራ፡ ሓሙሽተ ዓንድታት ዘለዎ ‘ኣዋጅ ሰላምን ምሕዝነትን’ ከምዝኸተሙ ይዝከር።

እቲ ዓንድታት፡ ብ13 ሚያዝያ 2002 ዝተዋህበ ብይን ኮሚሽን ዶብ ብዘይ ቅድመ-ኲነት ምትግባር ዝብል ዓንቀጽ ይርከቦ።

ምጅማር ኣገልግሎታት ቴለፎንን መጓዓዝያ ኣየርን ካብን ናብን ኣስመራን ኣዲስ-ኣበባን ድማ፡ እቲ ውዕል በብመድረኹ ንምትግባር ብክልቲኡ ወገናት ንዘሎ ድሌትን ቈራጽነትን ዘርኢ እዩ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዕድመ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ብ22 ሓምለ ኣብ ስዑዲያ ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ዑደት ዛዚሙ እዩ፡ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣምሪሑ።

Categories