ንብዓት ሓረግጽ ኤውሮጳዊ ሕብረት

ቀንዲ ወይ “ጐብለላት” ፖለቲካ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ጉዳይ ፍልሰት – ባርነት 21 ዘመን – ከም ዓቢ ናይ በይኖም ‘ቢዝነስ’፡ ሓለፋ ሓልዮት ከምዘለዎም ከምስሉ፡ ቃሕ ዝበሎም ውሳነታት ከሕልፉን ነቲ ጉዳይ ብጥሩምባታቶም ከጋውሑን ሓግዮም ይጋልቡ ስለዘለዉ፡ “ነጥቢ ስርዓት” ምባሎም ሕማቕ ኣይኰነን።

ክፍለ-ዓለም ኣፍሪቃ፡ 60% ዓለማዊ ጸጋታት ትውንን’ያ ትበሃል። ኣሃዛዊ ርጉጽነቱ ብዘየገድስ፡ ገዚፍ ምዃኑ ጥራይ ዝእምት’ዩ። ኣፍሪቃ እንታይ ተጠቒማትሉ?

ዝዓበየ ክፋል ቁጠባታት ኣፍሪቃ፡ ፍልማዊ’ዩ። ዕብየት ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓለም ካብ’ቶም ዝዓበዩ’ዩ። ጥረ ጸጋታት ኣፍሪቃ ኪዝመት ጸኒሑ፡ ብዝኸፍአ ይዝመት ኣሎ። ካብ ፍልማዊ ቊጠባ ናብ ምስናዕን ምምስራሕን ከይሰጋገር፡ ጸጋታቱ – ብቐንዱ ሰባዊ ጸጋታቱ ከየጠራቕም፡ ኤውሮጳ ሓንቲ ካብ’ተን ቀንዲ ሓነቕቲ ምዕባለታቱ’ያ።

ኤውሮጳ፡ ዕብየት ብዝሒ ህዝባ ትሕቲ 0% እናንቈልቈለ (ምስ መጠናዊ ፍልልይ ካብ ሃገር ናብ ሃገር)፡ ናይ ዓዲ-ውዒል ጥሮተኛታት ቁጠባዊ ጽዕነት እናኸበደ፡ ሽቕለት ኣልቦነት እናዛየደ፡ ዓለማዊ ተወዳዳርነት ቁጠባታት እናተጨበጠን ዕድላቱ እናጸበበን ይኸይድ ኣብ ዘለወሉ፡. . .ሕሱር ዕዮን ጉልበትን፡ ምሁርን ሞያዊን ኰነ ዘይክኢላዊ፡ ብጐብለላት ፖለቲካ ኤውሮጳ ከም ፈውሲ ብድሆታቶም ተወሲዱ’ዩ፡ ዘንቀደ ምጽንቃቕ (drainage) ሰባዊ ጸጋ-ሰብ ኣፍሪቃ ብውዱብ ገበናዊ ብልሓት ዝትግበር ዘሎ። ህውከትን ቅልውላዋትን ምስ’ዋር፡ “መራሕቲ” ኣፍሪቃ ከም ጉልባብ ንምዕዳግ ዝካየድ ዘመተታት ከኣ፡ ኣካል ናይ’ቲ ውጥን ጸወታ’ዩ።

ኣብ’ዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡ ኣብ ካርቱም ዝተኻየደ ናይ ጀርመን ‘ሾው’ (show) ከኣ፡ ሓደ ካብ መርኣያታቱ’ዩ። ይኣኽለና! ግደፉና! ምባል ሰዓቱ’ዩ።

ሚኒስትሪ ዜና

ኣስመራ

21 ሓምለ 2018

Categories