ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ንጉስ ስዑዲ-ዓረብ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ኣልስዑድን፡ ኣብ ምምዕባል ክልተኣዊ ዝምድናን ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኰረ ዘተ ኣካዪዶም።

ንጉስ ሳልማን፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ንዘለዋ ምሕዝነታዊ ዝምድና ዓቢ ግምት ከምእትህቦ፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቊጠባ፡ ጸጥታ፡ ንግድን ወፍሪን ናብ ዝበረኸ ደረጃ ምትሕግጋዝ ንምድያቡ ድማ ቅርብቲ ምዃና ድሕሪ ምግላጽ፡ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን – ምዕራፍ ኲናት ብምብቃዕ ሓድሽ ምዕራፍ ሰላም ንምኽፋት ንዝወሰድዎ ተባዕን ውሕሉልን ተበግሶ ንኢዱ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብወገኑ፡ ንንጉስ ሳልማንን መንግስቲ ስዑድያን ስለ’ቲ ለጋስ እንግዶቶምን ምሕዝነቶም ምስ ኤርትራን ብምምስጋን፡ ኣብ ስዑዲ-ዓረብ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝካየዱ ዘለዉ ለውጥታት ሞጒሱ።

ብዘይካ’ዚ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንዞባዊ ተራን መሪሕነትን ስዑዲ-ዓረብ ኣድናቖቱ ገሊጹ።

ኣብ ከተማ ጅዳ ኣብ ዝርከብ ቤተመንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ብወገን ኤርትራ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዳይረክተር ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ኣቶ ኣሚን ሓሰንን፡ ብወገን ንግስነት ስዑዲ-ዓረብ ድማ ኣማኸርቲ ንጉስን ዝምልከቶም ሚኒስተራትን ኣመሓደርትን ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ ብዝገበረሉ ዕድመ መሰረት፡ ብዛዕባ ክልተኣውን ዞባውን ምትሕግጋዝን ምውህሃድን ንምምኽኻር፡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ንግሆ’ዩ ናብ ስዑዲ ዓረብ ገይሹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ከተማ ጅዳ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ንጉስ ዓብዱልዓዚዝ ኣብ ዝኣተወሉ፡ ኣመሓዳሪ ጅዳ – ልኡል ሚሽዓል ቢን ማጅድ ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ሚኒስተር ስቴት ንጉዳያት ኣፍሪቃ ኣሕመድ ቓታንን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን ተቐቢሎምዎ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብዱልዓዚዝ፡ ንክብሪ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ምስኡ ዝተጓዕዘ ልኡኽን ናይ ምሳሕ እንግዶት ገይሩ።

Categories